ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አንታርቲካ ትሕዝቶ በረድ ይውስኽ አሎ ተባሂሉ


እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝቀርብ ዝነበረ ትሕዝቶ በረድ አንታርቲካ ይጎድል አሎ ዝብል ዝጻረር’ዩ።

ናሳ አብ ዘውጽኦ ሓድሽ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ክፍለ-ዓለም ኣንታርቲካ ዘለዎ ትሕዝቶ በረድ ይውስኽ አሎ ይብል ፡ ግን እቲ ምውሳኽ አብ ኩሉ ክፍሊ ናይታ ክፍለ-ዓለም ብማዕረ አይኾነን ኢሉ’ሎ ። ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ ካብ 1992-2001 ትሕዝቶ በረድ አብታ ክፍለ ዓለም 112 ቢሊዮን ቶን ዝተመዝገበ ክከውን ከሎ ካብ 2003-3008 ግን 83 ቢሊዮን ጥራይ ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ አረዲኡ’ሎ።

አብቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተሳተፉን ናይቲ ዝወጸ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዋና አሰናዳኢ ዝኾነን ጄይ ዝዋሊ ‘ አብቲ አብ ምዕራባዊ ኣንታርቲካ ዘሎ ምጉዳል ትሕዝቶ በረድ ምስ ካልኦት አብዚ ዓውዲ ዝተገብሩ መጽናዕትታት ንሰማዓዕ ኢና እቲ ዋና ፍልልይ ግን ንሕና አብ ምብራቕ እታ ክፍለ-ዓለም ትሕዝቶ በረድ ይውስኽ አሎ እዚ ድማ ልዕሊ እቲ አብ ካልእ ክፍሊ ዘሎ ምጉዳል’ዩ’ ኢሉ።

ብተወሳኺ ዝዋሊ እዚ ምጉዳል በረድ አብ ምዕራባዊ ክፋል ከምዚ ዘለዎ እንተቀጺሉ ነቲ ን20ን 30ን ዓመታት ክውህለል ዝጸንሓ ምብራቃዊ ክፋል ክመጣጠን ይክእል’ዩ’ውን ኢሉ።

አብ ዝሓለፈ ዓመታት አብ ምብራቅ አንታርቲካ ዝተመዝገበ ምውሳኽ ብራኸ በረድ ዝተዋህለለ በረድ ከምዝወሰኸ ዘርእይ’ዃ እንተኾነ ሓበሬታ ሜትሮሎጂ ግን አብቲ ቦታ ዝወደቀ በረድ ብ11 ቢሊዮን ከምዝነከየ’ዩ።

“እቲ ዘሓጉስ ዜና ምጉዳል በረድ ኣንታርቲካ አብዚ እዋን’ዚ ንምውሳኽ ብራኸ ጽፍሒ ባሕሪ አበርክቶ የብሉንም እካደኣስ በአንጻሩ ካብቲ ብራኸ 0.23 ሚሊሜትር ይወስድ’ዩ” ይብል ዝዋሊ።

XS
SM
MD
LG