ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ወለዲን ዪኒቨርስታትን ኣዚዮም ተረባቢሾምን ሪዒዶም’ለው


ኣብ ዩናይትድ ስቴት ይኩን ኣብ ዓለም ተምሃሮ ብቅልጡፍ ናብ ገዛውቶም ክምለሱ ተነጊሩዎም ኣሎ።ገሊኦም ኣቑሑቶም ሒዞም ክወጹ ክፍልታቶም ባዶ ክገብሩን ተኣዚዞም ኣለው።


ቅድሚ ሰሙናት ብኣጻብዕቲ ኣብ ዝቁጸራ ኣብያተ ትንህርቲ ዝተጀመረ ምዕጻው ሎሚ ዩኒቨርስታትን ካሊፎርኒያ፣ኒው ዮርክ ዩኒቨርስቲ፣ኮሎምቢያ ዩኒቨርስቲ፣ኮለጃትን ዩኒቨርስታትን ሓዊሱ ብዙሓት ዓለምለኸ ተምሃሮ የተኣናግዳ ዘለዋ ዩኒቨርስታት ኣባጺሑ ኣሎ።


ኣብ ኣሜሪካ ካምፓሳት እናትዓጸዋ ምሃብ ትምህርቲ ናብ ኦንላይን ዝተሰጋገራ ካብ ብሪታኒያ ቀጺላ ናይ ኣሜሪካ ተምሃሮ በብዝሒ ተተኣናግድ ጣሊያን ምሃብ ትምህርቲ ምስተቛረጸ እዩ።ኣብ ጣሊያን በዝሒ ብኮሮና ቫይረስ ይትሓዙ ናይ ዘለው ሰባት ብዝለዓለ መጠን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።


ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG