No media source currently available
ኢሳቕ ኣብርሃም ዝተባህለ መንእሰይ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ፈለማ ዝኾነ ብፈትሊን መስማርን ኣብ ካንቫስ ዝስራሕ (ብስትሪንግ ኣርት) ዝፍለጥ ኢደ ጥበብ ኣተኣታትዩ። ነዚ ኢደ-ጥበባዊ ስራሕ ካብ ኢንተርነት ብምውካስን ብምንባብን ብጻዕሩ ከምዝተማህሮ ዝጠቐሰ ኢሳቕ፡ እቲ ስራሕ ጆኦመትሪካዊ ዓቐናት ብምሕላው ፈትሊ ኣብ ልዕሊ ፈትሊ ብምፍታልን፡ ሕብርታት ብምውህሃድን ዝስራሕ፡ ፍሉይ ተክኒክ ዘለዎ ስራሕ ከም ዝኾነ’ዩ ይዛረብ።