ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስትሪንግ ኣርት -ብፈትሊ ዝስራሕ ኢደ ጥበብ


ስትሪንግ ኣርት -ብፈትሊ ዝስራሕ ኢደ ጥበብ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:59 0:00

ስትሪንግ ኣርት -ብፈትሊ ዝስራሕ ኢደ ጥበብ

ኢሳቕ ኣብርሃም ዝተባህለ መንእሰይ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ፈለማ ዝኾነ ብፈትሊን መስማርን ኣብ ካንቫስ ዝስራሕ (ብስትሪንግ ኣርት) ዝፍለጥ ኢደ ጥበብ ኣተኣታትዩ።

ነዚ ኢደ-ጥበባዊ ስራሕ ካብ ኢንተርነት ብምውካስን ብምንባብን ብጻዕሩ ከምዝተማህሮ ዝጠቐሰ ኢሳቕ፡ እቲ ስራሕ ጆኦመትሪካዊ ዓቐናት ብምሕላው ፈትሊ ኣብ ልዕሊ ፈትሊ ብምፍታልን፡ ሕብርታት ብምውህሃድን ዝስራሕ፡ ፍሉይ ተክኒክ ዘለዎ ስራሕ ከም ዝኾነ’ዩ ይዛረብ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2022 ስርሓቱ ናብ ህዝቢ ከም ዘቕረበ ዝገለጸ ኢሳቕ፡ ኣብ ቀጻሊ ነዚ ዓውዲ ናይ ምምዕባልን ሓደስቲ ስራሓት ናይ ምፍጣርን መደብ ከምዘለዎ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG