ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተጀመረ ስራሕ ደው ናይ ምባል አድማ ቀጺሉ’ሎ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዝተጀመረ ስራሕ ደው ናይ ምባል አድማ ካልኣይ መዓልቱ ሒዙ’ሎ። እቲ ናይ ሎሚ አድማ ካብቲ ናይ ትማሊ ዝያዳ ዝተጠናኸር’ዩ ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም።

ኣብ ከተማ ጅማ እቲ ኩነታት ገዲዱ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ቦምብ ደርብዮም ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ከምዝወረደ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ስራሕ ደው ናይ ምባል አድማ ካልኦት ሓደስቲ ከተማታት ተወሲኮም ከምዝቀጸለን መንግስቲ ንዝተዓጽወ አብያተ ንግዲ ብምዕሻግ ኣብቲ አድማ ዝተኻፈሉ መኻይን ታርገን እናተፈትሓ ብምውሳድን መንእሰያት ብምእሳርን ዝወሰዶ ዘሎ ስጉምቲ ድሒሩ ፍታሕ ዘየርክብ እዩ ክብሉ ተቓወምቲ ፓርቲ ይገልጹ’ለው።

ዝተፈላለዩ ነበርቲ እቲ ተቃውሞ ብዝያዳ ይጋደድ አሎ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተጀመረ ስራሕ ደው ናይ ምባል አድማ ቀጺሉ’ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:34 0:00

XS
SM
MD
LG