ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኦሮምያ ብሰንኪ ኣድማ ኣብያተ ንግዶም ዝዓጸው "መቕጻዕቲ ክፈሉ ተባሂልና" ይብሉ


ኣብ እዋን ኣድማ ዝተዓጸወ ኣብያተ ንግዲ
ኣብ እዋን ኣድማ ዝተዓጸወ ኣብያተ ንግዲ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ ጀሚሩ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝተጸውዓ ኣብ ገዛ ኮፍ ናይ ምባል አድማ ዝተሓለነ ዕላማ ብምውቕዑ ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ክቋረጽ ተገይሩ ክብሉ አተሓባበርቱ ኣብ ማህበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ገሊጾም።

ኣብ ሓደ ሓደ ከተማታት ኣገልግሎት መጉዓዝያ ንምሃብ ዝተንቀሳቀሱ ንዘቋረጽሉ መቕጻዕቲ ክፈሉ ተባሂልና ክብሉ ከለው ሓደ ሓደ ኸአ ኣብያተ ንግድና ተዓሺጉና ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም አለው።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝጀመረ አድማ ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ተጸዊዑ ምንባሩን ዕላምኡ ንጉዳይ ግብርን እሱራት ፖለቲካን ክፈትሑ ንምሕታት ምኳኑ ተገሊጹ።

ነቲ አድማ ከምዝጸውዑ ዝገለጹ አብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ቔሮ ማለት መንእሰይ ብዝብል መጸውዒ ንገዛእ ርእሶም ዝጸውዑ ወገናት እቲ አድማ ሸትኡ ብምውቕዑ ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ተቋሪጹ ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ገሊጾም አለው።

ብኻልእ ወገን ኣብ ቀላይ ቢሾፍቱ ኣብ እዋን በዓል ኢሬቻ ንዝሞቱ ብመንግስቲ እቲ ክልል ዝስራሕ ዘሎ ሓውልቲ ተቓውሞ ከምዝገጠሞ ተገሊጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG