ጆን ከርቢ ኣብ ናይ ሎሚ መግለጺኦም እቲ ኣዋጅ ብዘይ ትእዛዝ ክፍጸም ንዝኽእል ማእሰርቲ፡ ሓሳብካ ብነጻነት ምግላጽ ዝያዳ ምግዳብ፡ ምዕጻው አገልግሎት ኢንተርነትን ምኽልኻል ህዝባዊ ኣኼባን ሰዓታት እቶ እቶ ንምእዋጅን ብዘለዎ ተኽእሎ ተሻቂልና’ለና። በዚ መንገዲ እንተተግቢሩ ነቲ ናይ ቀረባ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምዝሓል ዝተዋህበ ዘይተዓወተ ምላሽ መሊሱ ዘጋድድ’ዩ ኢሎም።
ፖለቲካዊ ብዙሕነት ምኽባር መባእታዊ ነጻነትን ንሕጋዊ መረረታት ተቓወምቲ ሰልፈኛታትን ካልኦት ኢትዮጵያዊያን ንምፍታሕ አድላይ’ዩ ክብሉ ጆን ከርቢ ገሊጾም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ዜጋታት ሕገ-መንግስታዊ ውሕስነት ብነጻነት ሓሳብኻ ምግላጽን ምእካብን ከኽብርን ነቶም ነዞም መሰላት ብሰላማዊ መንገዲ ብምጥቃሞም ዝተአሰሩ ክፈትሕ ንነዊሕ እዋን ዘቅረብናዮ መጸዋዕታ ደጊምና ንነጻን ነቃፍን ድምጽታት ምእሳር ስቅ ክብል ምግባርን ናብ ርእስኻ ምስዓርን ንዝዓበየ ምርሕሓቅ ዘምርሕ ንኹሎም ኢትዮጵያዊያን ተቀባልነት ዘለዎ ፍታሕ ንምንዳይ አጸጋሚ ዝገብርን’ዩ ክብሉ’ውን ገሊጾም።
ኣብ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ተግባራት ህውከት ካብ ምፍጻም ነፍሲ ወከፍ ክቑጠብ ኣትሪርና ነተባብዕ። ኢትዮጵያ ንዘድልያ ዘሎ ለውጢ ሰላማዊ ልዝብ’ዩ መንገዲ ፍታሕ ዝበሉ ጆን ከርቢ ድሮ ኣዝዩ ብዙሕ ህይወት ንጹሃት ምጥፍኡ ብዙሕ ዕንወት’ውን ተፈፂሙ’ሎ ኢሎም።
ፕረዝደንት ሙላቱ 10 ጥቅምቲ ንፓርላማ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም መሰላት መሬት ለውጢ ሕጊ ምርጫ ክልል ኦሮምያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዎ ፍሉይ ረብሓ አፍልጦ ምሃብን ዝበሉ ገለ መረረታት መንግስቲ ንምፍታሕ ውፍይ’ዩ ምባሎም ብሓጎስ ተቐቢልናዮ አለና። እቲ መንግስቲ ድማ ነዚኦም ብወሳንን ቅልጡፍን ክትግብሮ ነተባብዕ ፖለቲካዊ ባይታ ምኽፋት ሸቶ ዝገበረ ኣብ ሕገ መንግስቲ ነቲ ኢትዮጵያ ዝተረጋገጸ መባእታዊ ነጻነትን ዲሞክራሲያዊ መሰላትን ብምርግጋጽ ሓፈሻዊ ለውጢ ክግበርን ንጽውዕ ኢሎም።
እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ነቲ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሓለወ ሰብኣዊ መሰላት ኣይክጥሕስን’ዩ ዝብል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝአተውዎ ቃል’ውን አቅሊብናኡ ኣለና ክብሉ’ውን ገሊጾም።
ምሉእ ትሕዝቶ'ቲ መግለጺ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።