26 ግንቦት 2021
ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ይንህር ዘሎ ዘርኣዊ ህውከትን ይብርትዕ ዘሎ ከባብያውን ዘርኣዊን ምክፍፋልን ዓሚቅ ሻቅሎት ፈጢሩለይ ኣሎ። እቲ ኣብ ትግራይ ዚፍጸም ዘሎ ሰፊሕ ግፍዒ ኣንጻር ሰብኣዊ መሰላትን ተጋፊሑ ዘሎ ጾታዊ መጥቃዕቲን ተቐባልነት ዘይብሉን ደው ክብል ዘለዎን እዩ። ዝተፈላለየ ድሕረ-ባይታን መንነታዊ ውርሻን ዘለዎም ስድራቤታት፣ ኣብ ሃገሮም ሰላምን ድሕንነትን ረኺቦም ክነብሩ ይግባእ። ፖለቲካዊ ቁስሊ ብሓይሊ ኣጽዋር ክሓዊ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ክልል ትግራይ ዘለው ተጻባእቲ ሓይልታት ንውግእ ደው ከምዘበሉ ክእውጁን ክትግብርዎን ኣለዎም። ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ክወጹ ኣለዎም። ኢትዮጵያ ብሰንኪ እዚ ዝተናወሐ ውግእ፣ ካብ 80ታት ንነዘ ዘይረኣየቶ ፈላማይ ሓደጋ ጥሜት ከጋጥማ ከምዝኽእል ቢሮ ሰብኣዊ ጕዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምጅማር’ዚ ሰሙን’ዚ ኣጠንቂቁ እዩ። ኩሎም ሓይልታት ብሕልፊ ካኣ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ጥሜት ምእንታን ከይጋፋሕ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብቲ ክልል ብህጹጽን ብዘይ ዓንቀፍቀፍን ንክኣትዉ ከፍቅዱ አለዎም።
መራሕትን ትካላትን ኢትዮጵያ፣ ዕርቂ፣ ሰብኣዊ መሰላትን ብዙሕነትን ክዓስል ንክሰርሑ ዩናይትድ ስቴትስ ተተባብዕ። ከምኡ ምግባር፣ ንሕብረትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ናይ’ታ ሃገር ዝዕቅብ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓለዋ ምርካቡ ዘረጋግጽን ዘድልዮ ህጹጽ ሓገዝ ንክረብን ሓጋዚ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ፖለቲካ እጀታ ዘለዎምን ብሙልኦም ንኩሉ ሓቆፍ ልዝብ ተወፋይነት ከርእዩ ኣለዎም። ሓቢርካ ብምስራሕ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ሓባራዊ ፖለቲካዊ መጻኢ ናይታ ሃገር ክሃንጹን መሰረት ነባሪን ምዕሩይን ቍጠባዊ ዕቤትን ብልጽግናን ከንብሩን ይኽእሉ እዮም።
ዩናይትድ ስቴትስ፣ ኢትዮጵያ ነዞም ብድሆታት እዚኣቶም ንኽትዋጽኣሉ ኽትሕግዛ ቘሪጻ ኣላ። ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንነዊሕ ዝጸንሐ ርክብ ብምህናጽ፣ ከምኡውን ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕቡራት ሃገራትን ዓለም ለኸ መዳርግትን ሓቢራ ክትነጥፍ እያ። ፍሉይ ልኡኽ ዩናይትድ ስቴትስ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍ ፈልትማን ኣብ’ቲ ዞባ ንዘሎን ዝተኣሳሰረን ግጭታት፣ ንጠለባት ኩሎም ወገናት ዘማልእ ፍታሕ ናይ’ቲ ዘሳሓሕብ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ሓዊሱ፣ ሰላማዊ ፍታሕ ምእንታን ክረክብ ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ይመርሕ ኣሎ። ፍሉይ ልኡኽ ፈልትማን ዝቅጽል ሰሙን ናብ’ቲ ዞባ ከቅንዕን ተመሊሱ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሖ ምዕባለ ክሕብረኒን እዩ። ዲፕሎማሲ ኣሜሪካ፣ ንክብሪታትና ዘንጸባርቕ እዩ። እዚ ንናጽነት ምክልኻል፣ ምርግጋጽ ኣድማሳዊ መሰላት፣ ልዕልና ሕጊ ምኽባርን ንኩሉ ሰብ ብኽብሪ ምሓዝን።