ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ዝተውሓሰት ኣመሪካ ኢና ዘሎና” ፕረዚደንት ባይደን


“ኣብ ዝተውሓሰት ኣመሪካ ኢና ዘሎና” ፕረዚደንት ባይደን
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:49 0:00

“ኣብ ዝተውሓሰት ኣመሪካ ኢና ዘሎና” ፕረዚደንት ባይደን

ትማሊ ሓሙስ ምሸት ዓመታዊ መደረ ፕረዚደንት ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ምምሕዳሮም ተጺሞም ዝብሉዎም ዓበይቲ ስራሓት ብምጕላሕ፡ ኣብ ዝመጽእ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተወዳዲሮም ድማ ብብቕዓት ክመርሑ ምዃኖም ከረጋግጹሉ ዝፈተኑሉ’ዩ ነይሩ።

ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ 1941 ንመደረ ፕረዚደንት ሩስቨልት ብምጥቃስ መደረኦም ዝኸፈቱ ፕረዚደን ባይደን፡ ኣመሪካ ሕጂ’ውን ኣብ ኲናት’ያ ዘላ ኢሎም። ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መደረኦም ደሞክራሲ ካብ ውሽጢን ካብ ደገን ብከም ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ሓደጋ ከም ዘለዉ ጠቒሶም። ነቲ ዘቤታዊ ሓደጋ ደሞክራሲያዊ ክብሉ ዝጸውዑዎ ድማ ብፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕን ደገፍቶምን ኣብ ጥሪ 2021 ኣብ ቤተ-መንግስቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ’ዩ።

እቶም ፕረዚደንት ኣብ ኲናት ኢና ዘሎና ክብሉ እንከለዉ ግን ነተን ምእንቲ ምሕላው ደሞክራሲ ዋጋ ዝኸፍላ ዘለዋ ከም በዓል ዩክሬን ክንሕገዝን ድማ ግዴታ ኣሎና ኢሎም።

ባይደን ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተዓደሙ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ነታ ሃገር ኣብ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ምሕዋሳ ሓደ መርኣያ ናይቲ ሕብረትን ንምክልኻል ደሞክራሲ ዝግበር ቃልሲን’ዩ ኢሎም።

መሰል ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ሓደ ካብቲ ናይ ትማሊ ሓሙስ ኣተኵሮ ዝረኸበ ኣርእስቲ’ዩ ነይሩ። ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መደረኦም ነቲ ብፈጻሚ ቤት ፍርዲ ዝተለወጠ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ብምጥቃስ ነቶም ኣብቲ ኣዳራሽ ዝተረኽቡ ደያኑ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ’ውን ኣመልኪቶም።

"ብዙሓት ቅድመይ ዝነበሩን ሕጂ’ውን ኣብ መሪሕነት ኰይኖም ኣብዚ ኣደራሽ ዘለዉን፡ ኣብ ምሉእ ሃገር ዝሓለፍ ክልከላ ንምንጻል ጥንሲ ከንብሩን ንመሰል ናጽነት ፍርያምነት ክጉዕጽጹን ሰሪሖም’ዮም። ስለ ኣምላኽ ኢለኩም ካልእ ክትምንዝዕዎ እትደልዩን እትኽእሉን ናጽነት ንምዃኑ ክህሉ ዲዩ?”

ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ብፍላይ ድማ ብወገን መክሲኮ ዝኣትዉ ካብቲ ኣዛራርቢን ኣብ ምርጫ’ውን ዓቢ ጽልዋ ክሕልዎን ዝኽእል’ዩ። ኣብቲ ናይ ሓሙስ ዓመታዊ መደረኦም’ውን ፕረዚደንት ባይደን ኣልዒሎሞ ነይሮም። እቶም ፕረዚደንት ከም ዝብሉዎ ኣብ ዶባትን ምጽራይ መሰል ዑቕባን ዝነበረ ምድንጓያት ንምፍታሕ ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕ ሰራሕተኛታት ኢሚግረሽን ብምቝጻር እቲ ኣብ ሽዱሽተ ዓመት ዝውድእ ዝነበረ ምጽራይ ናብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከም ዘውርዱዎ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ባይደን ኣስዒቦም፡ ንስደተኛታት ምስይጣን ከም ዘይሰርሑን ከምቶም ዝቐደሙ ምምሕዳር ብእምነቶም ወይ ካልኦም ናብ ኣመሪካ ካብ ምእታው ከም ዘይክልክሉ ክገልጹ እንከለዉ፡ “ስድራቤት ኣይክፈሊን’የ፡” ኢሎም።

ጉዳይ ዕድመ ፕረዚደንት ባይደንን ንዝመጽእ ምርጫ ብቑዕ ክዀኑ ዲዮም ዝብል ካብቲ ቀንዲ ኣዛራርቢ ኣርእስታት’ዩ። ኣብቲ ናይ ትማሊ ምሸት መደረኦም’ውን ብዛዕባ ጉዳይ ዕድመ ኣልዒሎም ነይሮም። ፕረዚደንት ባይደን “ኣብ ስራሕ ንኡሽተን ዓቢን ተባሂለ’የ። ዓቢ ወይ ንእሽቶ ይብሃል ብዘይገድስ ግን ኵሉ ግዜ ንዘሎ ሽግራት ተጻዊረ’የ። ኣመሪካ ንዅሉና ማዕረ’ያ። ሕጂ ዝገጥመና ዘሎ ድማ ንእሽቶ ወይ ዓቢ ዘብል ዘይኰነስ እቲ ሓሳባትና ዓቢ ድዩ ንእሽቶ’ዩ።”

ኣብ ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕን እስራኤልን ፕረዚደንት ባይደን፡ “ጸጥታ እስራኤል ምውሓስ ንደሞክራሲ ምሕላው’ዩ። ፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ብሰላም ዝነብሩሉ መንገዲ ክፍጠር ኣለዎ። ውሑስ ማእከላይ ምብራቕ ምፍጣር ማለት ከኣ ካብ ኢራን ዝመጽእ ስግኣት ምክልኻል ማለት’ዩ፡” ኢሎም።

ሰነት ክፍለ-ሃገር ኣላባማ ኬት ብሪት’የን ንሰልፊ ርፓብሊካውያን ወኪለን ግብረ-መልሲ ሂበን።

“ፕረዚደንት ባይደን ገና ኣይተርድኦምን። ምስ ክውንነት ዝሳነዩ’ውን ኣይኰኑን። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሮም ማሕበረኮማት ይበታተና ኣለዋ። ሃገርና’ውን ፈጺማ ውሕስቲ የላን።”ዝበላ ኣባል ሰነት ብሪት፡ ምምሕዳር ባይደን ንውሕስነት ኣመሪካ እኹል ከም ዘይገበረ ዝሕብር ዝበልኦ ኣብነታት’ውን ጠቒሰን። ካብ መንጎኡ ድማ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን፡ ምሕያል ሩስያን ፑቲንን ስእነት ውሕስነት ቀይሕ-ባሕሪ ከምኡ’ውን ቻይና ብመንገዲ ቲክቶክ ኣቢላ እትእክቦ ሓበሬታ ኣመሪካውያን ጠቒሰን። ነዚ ኣብ ዶባት ዝርአ ዘሎ ቅልውላው ስደተኛታት ድማ “ፕረዚደንት ባይደን ኣኽኢሉዎ ጥራይ ዘይኰነስ ዓዲሙዎ’ዩ፡” ድማ ኢለን እተን ኣባል ሰነት።

እንተዀነ ፕረዚደንት ባይደን’ውን ኣብ መደረኦም፡ ንጉዳይ ስደተኛታት ዓቢ ፍታሕ ከም ዝገበሩን መስርሕ ከም ዘቃለሉን’ዮም ጠቒሶም። ኣብ ጉዳይ ገበን’ውን ቅድሚ ምምሕዳሮም ገበናት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝለዓለ ብርኩን ብ30% ምውሳኹን ገሊጾም። እንተዀነ ሕጂ ኣመሪካ ኣዝያ ውሕስቲ ከም ዘላ ጠቒሶም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG