ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አዋጅ ህጹጽ እዋን ኢትዮጵያ ምልዓሉ ተሓቢሩ


ፓርላማ ኢትዮጵያ
ፓርላማ ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ 10 ኣዋርሕ ተነቢሩ ዝጸንሓ አዋጅ ህጹጽ እዋን ከምዝተላዕለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝተጸወዓ ፍሉይ አኼባ ፓርላማ እቲ አዋጅ ንክለዓል ውሳነ ሓሳብ ዘቅረቡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮማንድ ፖስት አዋጅ ህጹጽ እዋንን ሚንስትር መከላኸሊ ሲራጅ ፈርጌሳ’ዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ አዋጅ ህጹጽ እዋን ዝተአወጀ ድሕሪ’ቲ አብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቃስ እዩ። እቲ አዋጅ ንክለዓል ናይ ውሳነ ሓሳብ ናብ ፓርላማ ዘቅረቡ ሚንስትር ሲራጅ ፈርጌሳ እቲ አዋጅ ዝተአወጀ ዝተወደበን ዝተዋደደን ተግባር ህውከት ብስሩዕ ሕጋዊ መንገዲ ምቁጽጻር ዘይኸአል ስለዝነበረ’ዮ ድሕሪ ምባል እቲ አዋጅ ዝተሓለነ ውጺኢት አምጺኡ እዩ ኢሎም።

አዋጅ ህጹጽ እዋን ኢትዮጵያ ምልዓሉ ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:37 0:00

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

አዋጅ ህጹጽ እዋን ኢትዮጵያ ምልዓሉ ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:26 0:00

XS
SM
MD
LG