ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ' ኣውጺኡ


ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ኣብ ኢትዮጵያ
ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ኣብ ኢትዮጵያ

ካቢነ ምኒስቲራት ኢትዮጵያ ‘ካብ ሎሚ ጀሚሩ ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ከምዝትግበር’ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስታዊ ኣዋጅ ‘ሕገ መንግስቲን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ካብ ሓደጋ ንምክልኻልን ንምሕላውን ሰላምን ድሕነትን ሃገርን ህዝቢ ናይ ምኽባርን ሓድነትን ማዕርነትን ህዝቢ ናይ ምርግጋጽ፣ ዜጋታት ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ናይ ምዝውዋር መሰሎምን ንምርግጋጽን ኣብ ዝመረጽዎ ቦታ ናይ ምንባርን ሃብቲ ምኽዕባት መሰሎም ንምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለዎ’ ኢሉ ስለዝኣምን’ዩ ነዚ ኣዋጅ’ዚ ተግቢሩ’ ይብል ካቢነ ሚኒስትራት።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፣ ቁጠባ ሃገር እናተጎድአ፣ ንብረት እናበረሰ ህዝቢ ብሰላም ወጺኡ ናይ ምምላሱ ዕድል እናተዛበዐ ከምዝቀጸለን ህዝቢ ካብ መንግስቲ ሓለዋ ንክግበረሉ ከምዝሓተተን ጠቒሱ’ሎ።

እቲ ኣዋጅ ኣብ ስራሕ ዝውዕለሉ ጊዜ ግና ኣብ’ቲ መግለጺ ኣይተነጸረን። ብመሰረት ሕገ መንግስቲ’ታ ሃገር፣ ካቢነ ሚኒስትራት ካብ 3 ክሳብ 6 ኣዋርሕ ዝውዕል ኣዋጅ ክትግብር ከምዝኽእልን፣ ከናውሖ ስልጣን ከምዘለዎን ይሕብር።

እዚ ምዕባለ’ዚ ድሕሪ ሕቶ ካብ ስልጣን ምውራድ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ምኻኑ’ውን ዝፍለጥ’ዩ።

XS
SM
MD
LG