ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስድራቤት ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ዝርከቡ እሱራት ኩነታቶም ከምዘሻቀሎም ይገልጹ


ሓፈሻዊ ምስሊ
ሓፈሻዊ ምስሊ

ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ተኣሲሮም ዝርከቡ ሰባት ድሕነቶም ከምዘተሓሳስቦም ስድራቤቶም ገሊፆም።

ንድምጺ ኣመሪካ ርእይትኦም ካብ ዝሃቡ ስድራ እሱራት ገሊኦም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣባላት ስድራቤቶም ብኣካል ምርካብ እንተዘይክኣሉ እውን ብስልኪ ምርካቦም ክገልፁ ከለው ገሊኦም ድማ ረኺቦምዎም ከምዘይፈልጡ ተዛሪቦም።

እቶም እሱራት መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ የካይዱ ምህላዎም ዝገልጽ ደብዳበ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ወፂኡ ኣሎ። እዚ ድማ ጭንቀት ከምዝፈጠረሎም ስድራ እቶም እሱራት ገሊፆም ኣለው። ካብ ናይቶም እሱራት ጠበቓታት ሓደ ሰለሞን ገዛኽኝ ምስቶም እሱራት ክራኸቡ ስለዘይተፈቐደሎም ብዛዕባ እቲ ኣድማ ብቐጥታ መረዳእታ ምርካብ ከምዘይክኣሉ ይሕብሩ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ይከታተሎ ከምዘሎ ገሊፁ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ኣድማን ቅሬታ ስድራን ብዝምልከት ካብ መንግስታዊ ኣካል ርእይቶ ንምርካብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣቦ መንበር ኢዜማ ዶክተር ጫነ ከበደ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተው "ኣብቲ ፓርቲ ብዘለዎም ሓላፍነት ዘይኮነስ ብኮማንድ ፖስት ተጠርጢሮም ምዃኖም ኣረጋጊፀ ኣለኹ’’ ክብል ኢዜማ ገሊጹ'ሎ። ኣቶ ጫነ ከበደ ክሳብ ሕጂ ዛጊድ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡ እውን ተፈሊጡ ኣሎ ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG