ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ናይ ህጹጽ እዋን አዋጅ ብዙሓት ሰባት ይእሰሩ ኣለው" ተቓወምትን ተሓለቕቲ ሰብአዊ መሰላትን


ኣብ ኢትዮጵያ አዋጅ ህጹጽ እዋን ካብ ዝእወጅ አስታት ሓደ ወርሒ ኣቑጺሩ’ሎ።እዚ አዋጅ ካብ ዝወጽእ ንደሓር ሰባት በብቦትኡ እንዳተለቐሙ ይእሰሩ ኣለው ኽብሉ መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርትታትን ተሓለቕቲ ሰብአዊ መሰላትን ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ድምጺ ኣሜሪካ ኸአ አብ ምብራቕ ሸዋ ንሓንቲ ወደይ ተቐቲሉኒ፡ ክልተ ኸአ ተአሲሮምኒ ሓደ ኸአ ብሕሱም ተቐጥቒጡኒ ዝበላ አደ አዘራሪቡ’ሎ። እዘን ዕድሚአን 65 ዓመት ምኳኑ በዓል ቤተን ድማ ወዲ 74 ዓመት ሽማግለ ምዃኖም ዝሓበራ ነባሪት ምብራቕ ሸዋ ወረዳ በሶት ዝኾና አደ ቆምበ ጉግሳ ይበሃላ።

አርባዕተ ደቂ ከምዝነበርወን ካብዚአቶም እቶም ክልተ ከምዝተአሰሩ ንጉሱ ዝተባህለ ወደን ወለንጪተ አብ ዝተባህለ ቦታ ተአሲሩ ከምዘሎ ብወረ ከምዝሰምዓ እቲ ካልኣይ ወደን ግን አበይ ከምተአሰረ ከምዘይፈልጣ ይገልጻ። ካልእ ወደ 30 ዓመት ወደን አቢቲ ዱጋሳ ንኣኼባ ትድለ አለኻ ተባሂሉ ቕድሚ 12 መዓልታት ምስ ተወሰደ ሬሳ ከምዝተመልሰን ይገልጻ።

“አብዚ ሕጂ እዋን ከምዚ ዓይነት ጸገም የለን። ነዚ ብዝምልከት ዝበጽሓና ሪፖርት’ውን የለን ተመሊስና ክንርእይ ክንፍትና ኢና" ክብሉ ምኽትል አመሓዳሪ’ቲ እቲ ወረዳ አቶ መሐመድ ሑሴን ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ አፋን ኦሮሞ ምላሽ ሂቦም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG