ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ.ጉ ወጻኢ ኣሜሪካ ዘውጽኦ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ኣሐዲሱዎ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ጎንደርን ባህርዳርን ህውከት ምቕፃሉ ብምጥቓስ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዘውጽኦ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ናብ ኢትዮጵያ ሎሚ ሶሉስ ኣሐዲሱዎ።

ኣብ ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም. ኣብ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ካብ ዝእወጅ ዕግርግር ክልዓልን ብዘይሕጋዊ ትእዛዝ ምእሳር ከጋጥምን ስለዝኽእል ዜጋታት ኣሜሪካ ናብታ ሃገር ንከይጉዓዙ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣጠንቂቑ።

ብመሰረት ሎሚ ዝወፀ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ እቲ ኣዋጅ ኣብ መጋቢት 2009 ዓ.ም. ምሕዳሱን ኣብ ጎንደርን ባህርዳርን ዘይምርግጋእ ምህላውን ፀብፃባት ሓቢሮም ይብል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንኣገልግሎታት ኢንተርኔትን ሞባይል ስልኪን ስለዝዓፁ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታቱ ፀገም ከጋጥም ከሎ ኣገልግሎት ምኽሪ ንምሃብ ክፅገም ይኽእል እዩ ይብል።

ዜጋታት ካብ ህዝባዊ ተቓውሞታትን ኣኼባታትን ክርሕቑ ከምኡ እውን ንከባቢኦም ክግምግሙን ንድሕነቶም ክጥንቀቑን ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

ዝርዝር ናይቲ መጠንቀቕታ ኣብ https://tigrigna.voanews.com ክትረኽቡዎ ትኽእሉ።

XS
SM
MD
LG