ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምቑጣብ ተጻብኦ ክህሉ ጸዊዑ


መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰነ 12ን 13ን ዝተራእየ ወተሃደራዊ ረጽሚ ብዕቱብ ከምዝተሓሳሰቦ ኣብቲ ሎሚ 14 ሰነ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ መግለጺ: ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣብ ዓመተ 2000 ዝኸተማ ምዃነን ብምግንዛብ: ብወተሃደራዊ ስጉምቲ ዝመጽእ ፍታሕ ከምዘየለ ጠቒሱ። በዚ ድማ ክልቲአን ሃገራት ካብ ተመሳሳሊ ስጉምትታት ክቑጠባን ኣብ ፖለቲካዊ ልዝብ ክኣትዋን እቲ ንመንግስቲ ኣመሪካ ጠቒሱ ካብ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝወጸ መግለጺ ጸዊዑ።

ብዘይካዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ዞባ ተሓባቢረን ምርግ ጋእን ዘላቒ ዝኾነ ሰላምን ከውሕሳ መንግስቲ ኣመሪካ ሓቲቱ።

XS
SM
MD
LG