ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ ንኢትዮጵያዊ-ኣመሪካዊ ብምስጢር ምሕላፍ ከሲሱ


ሚንስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ
ሚንስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ

መንግስቲ ኣመሪካ ንኢትዮጵያዊ-ኣመሪካዊ ኣብርሃም ተኽሉ ለማ፡ ሃገራዊ ምስጢር ኣመሪካ ናብ ካልእ መንግስቲ ኣስጊሩ ብዝብል ወንጀል ከሲሱዎ። ወዲ-50 ዓመትን ነባሪ ሲልቨር-ስፕሪንግ መሪላንድን ዝዀነ ኣቶ ኣብርሃም ካብ ታሕሳስ 2022 ክሳብ ነሓሰ 2023 ኣብ ዝነበረ እዋናት ምስጢራውያን ሰነዳት ናብ ሳልሳይ ሃገር ይልእኽ ምንባሩ ሎሚ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ክሲ ኣፍሊጡ።

ክሱስ ኣብ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ዝሰርሕ ምንባሩ ተሓቢሩ ኣሎ። ኣቶ ኣብርሃም ምስጢር ዘካፈላ ሃገር ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣይጠቐሰን።

ጋዜጣ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስን መደበር ዜና ሲኤንኤንን ግን ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ብምውካስ፡ ኣቶ ኣብርሃም ሃገራዊ ምስጢራት ኣመሪካ ዘካፈላ ሃገር ኢትዮጵያ ምዃና ጠቒሰን ኣለዋ።

በቲ ዘልሕኾ ዝነበረ ምስጢራት ሓያሎ ወታሃደራዊ ኣቃውማ ኣመሪካን ብሳትላይት ዝተላዕለ ምስልታትን ናብ ሳልሳይ ሃገር ከም ዝለኣኸ እቲ ሎሚ ወግዓዊ ዝዀነ ሓበሬታ የመልክት።

እቶም ክልተ ጥብቂ ወታሃደራዊ ምስጢራት ናብ ሳልሳይ ሃገር ምልኣኽ ብሕጊ ኣመሪካ ናይ ሞት፡ ሕልፈት ምናልባት’ውን 10 ዓመታት ማእሰርቲ ዘፍርዱ’ዮም።

ፈደራላዊ መርመራ ገበን (FBI)፡ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ክፍሊ ፍትሒትን ጀነራል ኢንስፐክተርን ናይ ኣመሪካ ነቲ ጉዳይ ብደቒቕ ይምርምሩዎ ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG