ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዛዕባ ስክፍታ ማሕበረ-ሰብ ኦሮሞ ትርጉም ዘለዎ ልዝብ ንክካየድ ኣሜሪካ ትጽውዕ


መግለፂ ወሃቢ ቃል ጆን ኪርብይ ዝሃብዎ

14 ጥሪ 2016

ኣሜሪካ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ቀፂሉ ዘሎ ዓፈና ናፃ ድምፂ፣ ምእሳር መራሕቲ ፓርቲ ፖሎቲካ ኦሮሞ ሓዊሱ፣ እናዓበየ ዝመፀ ስክፍታ ሓዲሩዋ’ሎ። እዚ ምእሳር’ዚ፣ ነቲ ኣብ ኦሮምያ ዝተላዕለ ሕጋዊ ፖለቲካዊ መረረት ኣብ ምፍታሕ ኣገዳሲ ተራ ክህልዎ ንዝኽእል መድረኽ ህዝባዊ ምኽኽር ዘጉሂ ሳዕቤን ክህልዎ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ’ቶም ዝተተንከፉ ኣባላት ማሕበረ-ሰብ ከም ዝመኻኸር ዝሓለፈ ታሕሳስ ዝአተዎ ቃል ንድግፍ። እቶም ምኽኽራት መታን ክዕወቱ፣ ኩሎም ድልየት ዘለዎም ወገናት ሓሳቦም ብነፃ ክገልፁ ይግባእ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንተቃወምቲ ካብ ምዕፋን ንክቑጠብ፣ ኣብ’ታ ዝተፈላለየ ህዝቢታት ዘለዋ ሃገር መሰል ምእካብ፣ ምፅሓፍን ምዝራብን ሓዊሱ ንሕገ መንግስታዊ መሰል ዜጋታቱ ንከኽብር ንፅውዕ። መሰሎም ስለዝተጠቅሙ ጥራሕ ዝተኣሰሩ ከም መራሕቲ ፖለቲካን ጋዜጠኛታትን ዝበሉ ንክፍትሑ’ውን ንፅውዕ።

XS
SM
MD
LG