ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ዘውጸኦ ሪፖርት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን


State Department
State Department

ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ናይ 2017 ዓ/ም ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኩነታት ኣተሓሕዛ መሰላት ኣመልኪቱ ሪፖርት ኣውጺኡ ኣሎ። ገለ ካብ ትሕዝቶ’ቲ ሪፖርት እዚ ዝስዕብ ይርከቦ፣

ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ስርዓት ትትግብር ሃገር’ያ። ገዛኢ ፓርቲ ወያናይ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኢትዮጵያ (ኢህወዴግ) ኣብ’ቲ ቅድሚ 3 ዓመት ዝተካየደ ሃገራዊ ምርጫ ን547 መናብር ፓርላማ ሙሉእ ንሙሉእ ተዓዊቱ።

ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ዘውጸኦ ዓመታዊ ሪፖርት ኩነተ ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት ብዛዕባ ኤርትራ ኣብ ዝሰነደሉ ገጻት ‘ኤርትራ ኣዝዩ ምእኩልን ምልካዊ ስርዓት ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ትርከብ ሃገር ከምዝኾነት’ ይገልጽ።

ኣብ ኢትዮጵያ ከም'ቲ ኩሉ-ሻዕ ትገብሮ ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ንኣብያተ ማእሰርቲ’ታ ሃገር በጺሑዎም’ዮ። ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ንዘቕረብሉ ሕቶ ምብጻሕ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ግና ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተነጺጉ’ዩ።

ብፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራሲን ፍትሒን’ እንኮ ፓርቲ ኣብ ኤርትራ’ዩ። ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ነጻ ካብ ዝወጸትሉ 1993 ዓም ጀሚሩ ሃገራዊ ምርጫ ኣይራኣየትን።

please wait

No media source currently available

0:00 0:13:19 0:00

XS
SM
MD
LG