ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያን ደውታ ተላዘብቲ ወገናትን (1ይ ክፋል)


ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ብደቡብ ኣፍሪካ መሪሕነት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ይካየድ ዝነበረ ዝርርብ ብዘይስምምዕ ተበቲኑ እዩ።ኢትዮጵያ ኣብቲ ግድብ ማይ ምምላእ ጀሚራ እንተኾይና ዝተፈላለዩ ሓበሬታት ይወፁን ይውሃቡን ኣለው።ምምላእ ምጅማራ ዝሕብሩ ዜናታት ምውፅኦም ስዕዒቡ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ወጥሪ ሰፊኑ ኣሎ።

ግብፅን ሱዳንን ንበይናዊ ምምላእ ማይ ናይቲ ግድብ ከምዝቃወማ ይገልፃ ኣለዋ።ብፍላይ ግብፂ ንረብሓ ግብፂ ዝፃባእ ስጉምቲ ኩሉ ዓይነት መማመሪፅታት ኣቦቱኡ ከምዘሎ ተጠንቅቕ ኣላ።ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ጂኦግራፍን ተንታኒ ተናትኒ ሩባ ኣባይን ግድብ ህዳሴን ዝኾኑ ኣቶ ብርሃኑ በላቸው ግን ናይ ግብፂ ምፍርራሕ ‘’ዝፀንሐን ዝተለምደን’’ እዩ፤ኢትዮጵያ ስርሓ ክትቕፅል ኣለዋ ይብሉ።

ኢትዮጵያ ሓደ ግዜ ምምላእ ጀሚረ ካሊእ ግዜ ድማ ምምላእ ኣይጀመርኩን ዝብል መግለፂ ካብ ኢትዮጵያ ይውሃብ እንተሃለወ እውን ናይቲ ግድብ ኣተሃናንፃ ንዝርዳእ ሰብ ምምላእ ጀሚሩ እዩ ይብሉ ኣብ ጉዳይ ኣባይን ግድብ ዓብይ ህዳሴን ብዝምልከት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ዝተፈላልያ ሃገራት ወፃእን ኣብ ልዕሊ 400 መድረኻት መፅናዕታዊ ፅሑፋት፣ ሰሚናራትን ሲምፖዚየማትን ከምዘካየዱ ዝገልፁ ኣቶ ብርሃኑ በላቸው።

እቲ ግድብ ክልተ መፍሰሲ ኖዃላት ከምዘለዎን ኣብዚ ሕዚ እዋን ይወቅዕ ዘሎ ከቢድ ዝናብልዕሊ ናብቲ ሩባ ኣትዩ በተን ክልተ መውፅእታት ዝወፅእ ማይ ንላዕሊ ስለዝኾነ ብዓይኒ ምህንድስና እውን ምፍስሳ ስለዘይኽእል ማይ ምዕቛሩ ናይ ግድን እዩ ይብሉ።

ምሉእ ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያን ደውታ ተላዘብቲ ወገናትን (1ይ ክፋል)
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:43 0:00


XS
SM
MD
LG