ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያን ደውታ ተላዘብቲ ወገናትን (2ይ ክፋል)


ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ብደቡብ ኣፍሪካ መሪሕነት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ይካየድ ዝነበረ ዝርርብ ብዘይስምምዕ ተበቲኑ እዩ።ኢትዮጵያ ምምላእ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ምጅማራ ፀብፃባት ይወፁ ኣብዘለውሉን ወጥሪ ኣብ ዝንህረሉ ዘሎን ናብዚ ሕልኽልኽ ዝኣተውናሉ እቲ ፖለቲካዊ መሪሕነት ናይ ሰብ ሙያ ምኽሪ ስለዘይሰምዐ እዩ ይብሉ ተንታኒ ሩባ ኣባይን ዓብይ ግድብ ህዳሴን ኣቶ ብርሃኑ በላቸው።

ቀደሙ እውን ኣብ ኣሜሪካ፣ባንኪ ዓለምን ካልኦት ኣካላትን ኣብቲ ልዝብ ክኣትው ኣይነበሮምን ዝበሉ ኣቶ ብርሃኑ በላቸው እቲ ልዝብ ናብ ኣፍሪካ መፂኡ እናሃለወ እውን እዞም ኣካላት እዚኦም ብተዓዛባይነት ኣብቲ ልዝብ ይሳተፉ ከምዝነበሩ ይገልፁ። ‘’ስራሕና ጠጠው ክሳብ ዘየበልና ሕዚ እውን ድርድር ጉድኣትየብሉን’’ ይብሉ ኣቶ ብርሃኑ ኣስዒቦም።

መምህር ዩኒቨርስቲ መቐለ ዝኾኑ ኣቶ ብርሃኑ በላቸው ኣብ ዩኒቨርስቲ ኮተቤ ን28 ዓመታት ሓዊሱ ብመምህርነት፣መፅናዕትን ምርምርን ንኣስታት 40 ዓመታት ኣብ ምግልጋል ይርከቡ።

ምሉእ ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያን ደውታ ተላዘብቲ ወገናትን (2ይ ክፋል)
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:34 0:00


XS
SM
MD
LG