ዋሽንግተን —
እስራኤል ትማሊ ሰንበት ረድኤት ዝፀዓና ዓበይቲ መካይን ናብ ቓዛ ኸይኣትዋ ከም ዝኸልከለት ተፈሊጡ።
ረድኤት ዝፀዓና ዓበይቲ መካይን ትማሊ ሰንበት ኣብ መሕለፊ መስመር ዶብ ናይ ግብፂ ራፋህ ደው ኢለን ተራእየን።
መራሕቲ እተን መካይን መግቢ ዝፅዓና መካይን ዶብ ከይሰግሩ ዝተኸልከልሉ ምኽንያት ከምዘይፈልጡ ሓቢሮም።
ማሕሙድ ሙስጣፋ ከማል ዝተባህለ መራሕ መኪና ኣብ ቦስኒያን ሀርዞጎቪናን ከምኡ እውን ኣብ ሶማልያ መግቢ ከመላልስ ከሎ ተኸልኪሉ ከም ዘይፈልጥ ብምግላፅ ኣብዚ ዝተኸልከለሉ ምኽንያት ከምዘይነጸረሉ ይገልጽ።
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ባድር ዓብደላትይ "ግልፂ ምጥሓስ ሕጊ ሰብኣውነት እዩ’’ ክብል ነቲ ውሳነ ብምዅናን ካልኣይ ብርኪ ግብራዊ ክኸውን ፀዊዑ።
ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ መንግስቶም ብፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ስቲቭ ዊትኮፍ ኣብ ቓዛ ንረመዳንን ንፆም ኣይሁዳዊያንን ግዚያዊ ቶኽሲ ጠጠው ንምባል ዝቐረበ እማመ ከም ዝተቐበሉ ሓቢሮም።
ሓማስ ሸምገልቲ ግብፅን ቐጠርን ጣልቃ ክኣትው ይፅውዕ ኣሎ።
ቅጥዒ