ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ዝዓለመ ብመንግስቲ ሩሲያ ዝምወል ፈነወ ሬድዮ ጀሚሩ


ብመንግስቲ ሩሲያ ዝምወል ሬድዮ ስፓትኒክ መማረፂ ዜና ንምቕራብ ክብል ዝፀውዖ ንከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ዝዓለመ ፈነወ ሬድዮ ጀሚሩ።ስፓትኒክ ውሑዳን ድምፆም ከስምዑ ዕድል ዝህብ እዩ እንተበለ እውን ነቐፈቲ ግን ንናይ ምዕራባዊያን ትካላት ዋጋ ንምስኣን ዝሰርሕ ናይ ክሬምሊን ናይ ፕሮፕጋንዳ መሳርሒ እዩ ይብሉዎ።

ናይ ሩስያ ሬድዮ ስፓትኒክ ንከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ዘቕርቦ ፈነወ ኣሜሪካዊያን ነበርቲ ዋና ከተማ ብዛዕብኦም ዝዝረብ ዘይኮነስ ንዕኦም ንምስማዕ ዘኽእል እዩ ኢሉ’ሎ።ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሓላፊ ቢሮ ስፓትኒክ ሚንዲያ ጋቫሸሊ ከምዚ ይብሉ።

“ሰባት ብዛዕባና ብዙሕ ሰሚዖም እዮም።ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ክሰምዑና ኣይክኣሉን።ብዛዕባና ዝፅብፅቡ ሰባት ከይተረፉ ንዓና ክሰምዑ፣ብትኽክል ከመይ ከምዝሪኡናንን እንታይ ከምእንሰርሕን ንምስማዕ ኣይግደሱን።”

ንከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ዝዓለመ ብመንግስቲ ሩሲያ ዝምወል ፈነወ ሬድዮ ጀሚሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:38 0:00

ስፓትኒክን ካልኦት ብመንግስቲ ሩሲያ ዝምወላ መራኸቢ ብዙሃን ፀረን ንብዙሃን ዘግለለን መሰረቱ ዝተኸለን መራኸቢ ብዙሃን እምበር ከም መሳርሒ ፕሮፓጋንዳ ክሬምሊን ኣይኮነን ዝሰርሕ ይብሉ።

እቲ ፈነወ መማረፂ ዜና ድዩ ወይስ ናይ ክሬምሊን ፕሮፓጋንዳ? ሰባት ባዕሎም ኣንቢቦምን ሰሚዖምን ፍርዲ ክህቡ ኣለዎም ይብል ስፓትኒክ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG