ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳን፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጎነጽ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ናብ ኡጋንዳ ይስደዱ ኣለው


ኣብ ምብራቓዊ ከባቢ ደቡብ ሱዳን ብዝጋፋሕ ዘሎ ጎነጽ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ናብ ጎረቤት ኡጋንዳ ይስደዱ ኣለው ክብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ሓቢሩ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘንቆልቁል ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ ምብጽሑ የጠንቕቅ። ብሰንኪ ኣብ ፓጆክ ዝተባህለ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ኢኳቶርያ ዝርኸብ ከባቢ ብዝተላዕለ ግጭት ካብ ሚያዝያ3,2017 ዓ.ም ጀሚሩ አስታት 6,000 ደቡብ ሱዳናዊያን ናብ ኡጋንዳ ምብጽሖም ይሕብሩ።

ብተወሳኺ እቲ ትካል ኣብታ ሃገር ግጭትን ኩናትን ብምግፍሑ ካብ ጎነጽ፡ግጭትን ጥምየትን ንምህዳም በግምጋም ኣብ መዓልቲ 2,000 ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳ ይኣትው ይብል።

ወሃቢ ቃል ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ባርባር ባሎች ናብ ኡጋንዳ ዝመጹ ሓደሽቲ ስደተኛታት ዓድታቶም ብናይ ደቡብ ሱዳን ሰራዊት መጥቓዕቲ ከምተፈጸሞም ብምሕባር አሰቃቂ ዛንታ የዘንትው ይብል።

“እቶም ስደተኛታት ፈተውቶም ኣብ ቅድሚኦም ተተኹሱሎም ክሞቱ፡ ብዙሓት ክቕተሉ፡ ካልኦት ህጻናት ከይተረፉ ክእሰሩ ከምተዓዘቡ ይገልጹ።ስድራቤታት ናብ ዝተፈላለዩ ኣንፈት ከምዝሓድሙ ሕሙማንን ዕድመ ዝደፍኡን ድማ ከምዝቕተሉ ይገልጹ።”

እቶም ወሃቢ ቃል ወሲኸን ብዙሓት ኣብ ጫካታት እታ ሃገር ተሓቢኦም ከምዘለውን መንግስቲ ኡጋንዳን ትካላት ረድኤትን ድማ ቁጽሪ ስደተኛታት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ከምዝኾኖም ይገልጹ ምህላዎምን እቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝቕንስ ከምዘይመስል ይሕብሩ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ነዞም ስደተኛታት ንምሕጋዝ እኹል ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከምዘይብሎምን ነቶም ኣብ መዓስከራት ዝርኸቡ ንምምጋብ፡ ጽሩይ ዝስተይ ማይ ንምርቕራብን መጽለሊ ንምንዳይን ኣብ ቃልሲ ከምዝርኸቡ ወሃቢ ቃል ባሎች የረድኡ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ካብ ዝሓተቶ 782 ሚልዮን ዶላር 11 ሚእታዊት ጥራይ ከምዝረኸበ ተገሊጹ’ሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 832,000 ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ኣብ ኡጋንዳ ይርኸቡ ካብዚኦም እቶም 192,000 ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዝመጹ ምኳኖም ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG