ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ ውድድር ድያመንድ ሊግ ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ


ኣብ ራባት ሞሮኮ ቅድሚ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተካየደ ተኸታታሊ ቅድድማት ድያመንድ ሊግ፣ ብ1500 ሜትሮ፣ ጉዳፍ ጸጋይ፣ ፍረወይኒ ሃይሉን ብርቂ ሓየሎምን ተኸታቲለን ብምእታው ተዓዊተን።

ኣብ’ዚ ርሕቐት’ዚ ዝተዓወተት ጉዳፍ ጸጋይ፣ ነቲ ጓል ሃገራ ዝኾነት ገንዘቤ ዲባባ ወኒናቶ ዝነበረ ክብረ ወሰን’ውን ብምስባር እያ ተዓዊታ። ገንዘቤ ኣመዝጊባቶ ዝነበረ ጊዜ 3:55 ብጉዳፍ ጸጋይ ዘመዝገበቶ 3:54 ሰኮንድን ተተኪኡ ኣሎ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ርሕቀት ድያመንድ ሊግ ዝተዓወቱ ኣትሌታት፣ 42-ሽሕ ዳለርን ኣልማዛዊ ጽዋዕን ክሽለሙ እዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG