ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ምምራጽ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣፍሪቃዊያን ዓብይ ተራ ተጻዊቶም’ዮም” ወሃቢ ቃል ሚ. ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ


 ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም
ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ኢትዮጵያዊ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ኮይኖም ክምረፁ ኣፍሪቃዊያን ዝለዓለ ተራ ከምዝተፃወተ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ገሊፁ።ወሃቢ ቃል ናይቲ ሚኒስትሪ ኣቶ መለስ ኣለም እቲ ምምራጽ ዶ/ር ቴድሮስ ንኢትዮጵያን ኣብ መዳይ ጥዕና ንዘመዝገበቶ ውፅኢት ዝተወሃበ ኣፍልጦ እዩ ኢሎም።

ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ኮይኖም ዝተመርፁ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሚኒስትር ጥዕናን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኢትዮጵያ ብምዃን ዘገልገሉ እዮም።

ዶ/ር ቴድሮስ ሚኒስትር ጥዕና ኣብዝነበርሉ እዋን ኣብዝተፈላለዩ መዳያት ትርጉም ዘለዎ ውፅኢት ምምፅኦም ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣቶ መለስ ኣለም ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃል ኣዘኻኺሮም።

ኣቶ መለስ እቲ ምርጫ ዶ/ር ቴድሮስን ኢትዮጵያን ኣብ መዳይ ጥዕና ንዘመዝገብዎም ውፅኢታት ዝተወሃበ ኣፍልጦ እዩ፤እዚ ናይ ዶ/ር ቴድሮስ ተመክሮ ኣብ ናይ ዓለም ትካል ጥዕና እውን ምጥቃም ከምዝክኣል ናይ ኢትዮጵያዊያን ይኹን ኣፍሪቃዊያን እምነት እዩ ኢሎም ።ኣፍሪቃዊያን ዶ/ር ቴድሮስን ኣብ ምምራፅ ዝገበሩዎም ኣስተዋፅኦ ዝለዓለ ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣቶ መለስ ሰባት ርእይቶኦም ቅኑዕ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ብዝመሰሎም መንገዲ ክገልፁ ከለው ክኽበር ኣለዎ፤ ዶ/ር ቴድሮስ ንዝተቓወምዎም ይኹን ንዝደገፉዎም ኢትዮጵያዊያን ልዕሊ ኩሉ ድማ ንኢትዮጵያ ጥራይ ከይኮነ ንኣፍሪቃ ብምውካል እዮም ተመሪፆም ዘለው ኢሎም ።

ንዳይሬክተርነት ትካል ጥዕና ዓለም ኣብዝተኻየደ ምርጫ ኣፍሪቃዊያን ዝተኸተሉዎም ስልቲ ዶ/ር ቴድሮስ ክስዕሩ ቁልፊ ተራ ከምዝተፃወተ ካልኦት ወገናት እውን ይሰማምዑ።

ኣባል ፓርላም ኢትዮጵያን ምኽትል ፕረዝደንት ፓርላማ ፓን ኣፍሪቃ ዝነበሩን ዶ/ር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ “ሓንቲ ኣፍሪቃ ሓደ ድምፂ’’ ዝብል መርገፂ ኣብ ምምራፅ ዶ/ር ቴድሮስ ዝሰርሐ እዩ ዝመስል ኢሎም።ኢትዮጵያዊ ብኣህጉራዊ ይኹን ብደረጃ ዓለምለኸ ቦታ ክሕዝ ከሎ ተደጋግፍካ ምኻድ ክልመድ ኣለዎ ኢሎም።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ፈላማይ ኢትዮጵያዊን ኣፍሪካዊን ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ኮይኖም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG