ዋሽንግተን —
ዓለምለኸ ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ኢትዮጵያዊያን ዝተባህለ አካል ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንኸይልእኹ ጀሚረዮ ዝበሎ ወፍሪ ከይጀመረ ዝበርዓና ሓሳብ’ዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ አቶ መለስ አለም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።
አቶ መለስ አለም ብዛዕባ’ዚ ተጀሚሩ ዝተባህለ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ብስርዓት ባንክ ናብ ኢትዮጵያ ከይኣትው ዝብል ወፍሪ ምላሽ ክህቡ ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ሓድሽ ዓመት ዝቐረበ አረጊት ገጸ በረኸት ጌረ’የ ዝርእዮ ኢሎም።