ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ የካይዱ ኣለው


Left to right: former Security Minister Oyay Deng Ajak, former SPLM Secretary General Pagan Amum, former Deputy Defense Minister Majok D'Agot Atem, former envoy of Southern Sudan government to the US Ezekiel Lol Gatkuoth, in court.
Left to right: former Security Minister Oyay Deng Ajak, former SPLM Secretary General Pagan Amum, former Deputy Defense Minister Majok D'Agot Atem, former envoy of Southern Sudan government to the US Ezekiel Lol Gatkuoth, in court.
ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያን ኣቦ መንበር ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግን ሃይለማሪያም ደሳለኝ ውሽጣዊ ፀገም ገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ሱዳን /SPLM/ እንተድኣ ተፈቲሑ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሽግር እውን ክፍታሕ እዩ ኢሎም።

እቲ ፓርቲ ንዓርሱ ክግምግምን ክርኢን ኣብ ቀፃሊ ንዝካየድ ኣኼባ መንገዲ ዝናዲ እዩ ዝተብሃለሉ ኣኼባ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ’ሎ።ነቲ ዝርርብ ዘተሓባብሩዎን ዝመርሕዎን ኢህወዴግን ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ገዛኢ ፓርቲ ANCን እዮም።

ቀዳማይ ምንስር ሃይለማሪያም ደሳለኝ መራሕቲ ገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ሱዳን SPLM ነቲ ነዊሕ ናይ ቓልሲ ዘመን ዘክሩዎ፤ነፃ ንምውፃእ ዝተጓዕዝኩምዎ ነዊሕ መንገዲ ንኽትዝክሩ የተሓሳስበኩም ኣለኹ ኢሎም።ኣስዒቦም ‘’ብቓልስኹም ዝረኸብኩምዎም ውፂኢታት ንድሕሪት ክምለስ ኣይፋሉን በልዎ’’ክብሉ ፀዊዖም።

እቲ ዝርርብ ንኽዕወት ኢህወዴግን ANCን ዝክኣሎም እናገበሩ እዮም ምስ በሉ ኢህወዴግ ዝልዓሉ ኣባላት ኣመራርሓኡ መዲቡ’ሎ ኢሎም እቶም ቀዳማይ ምንስቴር።

መራሕቲ SPLM ንምምይያጥ ዝተመደቡ ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምስንቴር ኣቶ በረኸት ስምኦን እዚ ግጭት እዚ ናይ ቤተሰብ ስለዝኾነ መፍትሒ እውን ካብኡ ክመፅእ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ኣብ ናይ ደቡብ ሱዳን ገዛኢ ፓርቲ ዘሎ ኣፈላልይ ግን ሰፊሕ ምዃኑ እናተርኣየ እዩ።ብመንግስትነት ዝቐፀሉ ፕሬዝዳንት ሳልቫኪር በቲ ሓደ ወገን፣ንሶም ዘባረሩዎም ናይ ቀደም ምኽትል ፕሬዝዳንት ሪክ ማቻር ንተዋጋእቲ ዓመፅቲ ብምምራሕ ካልእይ ጉጅለ፣ፈተነ መፈንቅለ መንግስቲ ፈፂምኩም ብዝብል ታሲሮም ዝተፈትሑ ሸውዓተ ናይ SPLMን ላዕለዎት ሰበስልጣን ድማ ምስ ክልቲኦም ወገናት ኣይኮናን ክብሉ ሳልሳይ ጉጅለ ፈጢሮም ኣለው።ኣብቲ መኽፈት ዝተረኸቡ ወኪላት መንግስትን ታሲሮም ናይ ዝተፈትሑ ጉጅለን እዮም።ብሪክ ማቻር ዝምራሕ ጉጅለ ግን ኣብቲ መኽፈቲ ኣይተረኽበን።
XS
SM
MD
LG