ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደረታት ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ሱዳንን አብ ዋዕላ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት


ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ አብ መበል 70 ዓመት ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ቀዳም አብ ዘስምዕዎ መደረ " ሕቡራት ሃገራት ሰላም፡ፍትሕን ዲሞክራሲን ዕብየትን ንኹሉ ብዝብል መብጽዓ ካብ ዝውለድ 70 ዓመታት እንተገበረ'ዃ ፍትሕን ማዕርነትን አብ ዘይብላ ግጭትን ኩናትን አብ ዝለበዳ ዓለም ንነብር አለና"ኢሎም።

ኻልእ መደረ ዘስምዑ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ኢብራሂም ጋንዱር ዓብደልዓዚዝ ብወገኖም ዓለምና ፍትሒ፡ማዕርነት፡አድማሳዊ ተቀባልነት ዘለዋ ዓለማዊ ስርዓት ክሳብ ዘይሃለዋ ኣይክትቀንዕን'ያ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG