ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ምስጢራዊ ኮሚተ ብሃውሪ ቅትለትን ማእሰርትን ይእዝዝ ከም ዝነበረ ሮይተርስ ሓቢሩ


 ኢትዮጵያ፡ ምስጢራዊ ኮሚተ ብሃውሪ ቅትለትን ማእሰርትን ይእዝዝ ከም ዝነበረ ሮይተርስ ሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:57 0:00

ኢትዮጵያ፡ ምስጢራዊ ኮሚተ ብሃውሪ ቅትለትን ማእሰርትን ይእዝዝ ከም ዝነበረ ሮይተርስ ሓቢሩ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዝቖመ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ዝሓዘ ምስጢራዊ ኮሚተ፡ ብሃውሪ ቅትለትን ማእሰርትን ይእዝዝ ከም ዝነበረ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣፍሊጡ።

እቲ ንግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንምጭፍላቕ ዝቖመ ኮሚቴ፡ ኣካል`ቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ስልጣን ምስሓዘ ዝጀመሮ ምዃኑ`ውን ሮይተርስ ዘካየዶ ፍተሻ የመልክት።

ሮይተርስ ልዕሊ 30 ሰበ-ስልጣን ፈደራልን ከባቢን፡ ከምኡ`ውን ደያኑን ጠበቓታት፡ እንተላይ ብሰበ-ስልጣን ዝተበደሉ ግዳያት ኣዘራሪቡን ፈቲሹን`ዩ ነቲ ጸብጻብ ከምዘዳለወ ይሕብር። ካብ ሰበ-ስልጣንን ኣብያተ ፍርድን ዝረኸቦ ሰነዳት`ውን ኣብቲ መጽናዕቱ ኣካቲቱ`ሎ።

እታ ቆረ ናገኛ ትብሃል ኮሚቴ፡ ኣቢይ ኣሕመድ ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ ካብ 2018 ጀሚራ ስራሓ ከም ዝጀመረት የርኢ። ምሃላዋ ግን ኣይፍለጥን`ዩ ኔሩ። ሎሚ እያ ንመጀመርያ ግዜ ትጥቀስ ዘላ ይብል ፍተሻ ሮይተርስ። ሓሙሽተ ኣብ ስራሕ ዘለዉን ዝነበሩን ሰበ-ስልጣን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቕ፡ እቲ ናይ ቕትለትን ማእሰርትን ትእዛዝ ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ነቲ ናይ ኦሮሞ ናዕቢ ንምጭፋላቕ ብዝገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ዝምእከል ምዃኑ ተዛሪቦም ኣለዉ።

ነቲ ስራሕ ዝመርሖ ድማ ብቋንቋ ኦሮሚያ ቆረ ናገኛ ዝብሃል`ዩ። ጎንጺ ኦሮሚያ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መንበሪኦም ኣፈናቒሉ`ዩ። ግንባር ሓርነት ኦሮሞ `ውን ካብ 2019 ጀሚሩ ብዙሓት ከም ዝቐተለ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ሰብኣዊ መሰላትን ይኸሱዎ። እቲ ውድብ ግን ሓሶት ኣይገበርኩን ይብል።

ካብ መንጎ`ቶም ቃለ-መጠይቕ ዝሃቡ ሓደ ሽሙ ክጥቀስ ፍቓደኛ`ዩ። ሚልከሳ ገመቹ ይብሃል፡ ኣባል ማእከላይ ኮሚተ ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ዝነበረ`ዩ። ካልኦት ግን ሽሞም ክጥቀስ ኣይደለዩን። ክልተ ካብኦም ኣብ ኣኼባ ቆረ ናገኛ ዝተሳተፉ`ዮም። ኮሚተ ሰላም ዝብል ትርጉም ዘለዎ ቆረ ናገኛ፡ ዓሰርተታት ኣብ ምቕታልን ኣማኢት ኣብ ምእሳርን ትእዛዝ ከም ዝሃበ`ዩ ዝግለጽ። ካብ መንጉኡ ኣብ 2021 ኣብ ኦሮሚያ ዝተፈጸመ ቅትለት 14 ጓሶት`ዩ። መንግስቲ ግን ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ከም ዝፈጸሞ`ዩ ዝገልጽ ኔሩ።

ሮይተርስ ነዚ ፈቲሹ ዝረኸቦ ጸብጻብ ንሓላፊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳንኤል በቀለ ኣረኪብዎ`ዩ። ዳንኤል በቀለ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ፡ ህላወ ቆረ ናገኛ ከም ዝፈልጥ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ዕላማ እቲ ኮሚቴ ኣብ ኦሮሚያ ዘሎ ስግኣት ጸጥታ ንምህዳእ`ኳ እንተኾነ፡ ልዕሊ ዕላምኡ ብምስጋር፡ ኣብ ስርዓት ፍትሒ ኢዱ ከም ዘእተወን ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸመን ጠቒሱ`ሎ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኮነ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ነዚ ጽሑፍ ምላሽ ክህብሉ ተሓቲቶም፡ ምላሽ ኣይሃቡን። ዝሓለፈ 6 ለካቲት 2024 ኣብ ፓርላማ ተሓቲቱ ምላሽ ዝሃበ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ግን “ ኣብ ደሞክራሲ ስለ እንኣምን፡ ክንቀትል ይትረፍ ክንኣስር`ውን ንዓና ከቢድ`ዩ" ኢሉ ኔሩ።

ኣብ ኦሮሚያ ዘሎ ህውከት ነታ ቀርኒ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣጋጢምዋ ዘሎ ዘይምርግጋእ ዘዘኻኽር`ዩ ይብል ሮይተርስ። ኣብ ትግራይ ኣማኢት ኣሸሓት ሰባት ዘህለቐ ኲናት ጠጠው ምስ በለ ኣብ ኣምሓራ `ውን ዝሓለፈ ሓምለ ጀሚሩ። መንግስቲ ኣብቲ ኽልል ህጹጽ እዋን ኣዊጁ`ሎ፡ ጎንጺ ኦሮሚያ `ውን ከምኡ ምስ ቀጸለ`ዩ።

መንግስቲ ንኦነግ ኣሸባሪ ጉጅለ ኢሉ መዲብዎም`ዩ። ኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን ግን ኣይመደብዎምን። ብመሰረት ሓበረታ`ቶም ንሮይተርስ ዝተዛረቡ ሰበ-ስልጣን፡ እቲ ቆረ ናገኛ ዝብሃል ምስጢራዊ ኮሚቴ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር`ዩ ዝእከብ፡ ብፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ሺመልስ ኣብዲሳ ድማ ይምራሕ። ካልኦት ድማ ሓላፊ ብልጽግና ፓርቲ ፈቃዱ ተሰማ ከምኡ`ውን ሓላፊ ጸጥታ`ቲ ክልል ኣራርሳ መርዳሳ ይርከብዎ።

እቲ ኮሚተ ብቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝቖመ ከም ዝኾነን ሓደ እዋን ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፉ ከም ዝነበረን ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ሰባት ንሮይተርስ ሓቢሮም ኣለዉ።

ወተሃደራዊ ሓላፊ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ጃል ማሮ፡ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ፡ እቲ ኮሚቴ ምህላውን ኣባላቱ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኦሮሚያ ምዃኖምን ከም ዝፈልጥ ተዛሪቡ። በዘ-ፈቀደ ከም ዝቐትሉን ከም ዝኣስሩን ዘከላብቱን`ውን ጠቒሱ።

ኢትዮጵያ፡ ሕቡኣት ኣካላት ጸጥታ ናይ ምቛም ታሪኽ ከም ዘለዋ ዝገልጽ ምሁር ታሪኽ ሕዝቂኤል ጋቢሳ፡ ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ “ጆሮ ጠቢ “ ዝብሃሉ፡ ኣብ ግዜ ደርግ `ውን ከምኡ ተመሳሳሊ፡ ኣብ ግዜ መለስ ድማ ‘ ሓሙሽተ ንሓደ ዝብሃል መሓውር ጸጥታ ከም ዝነበረ ይገልጽ።

ካብቶም ብዛዕባ`ቲ ሕጂ ዘሎ ምስጢራዊ ኮሚቴ ምስክርነት ዝሃቡን ሽሙ ክህብ ፍቓደኛ ዝኾነን ሚልከሳ ገመቹ ፡ ሕጂ ኣብ ኣመሪካ'ዩ ዝነብር፡ ንኣቢይ ኣሕመድ ብምንቃፉ ካብ ኣባላት ጸጥታ ምፍርራሕ ምስ መጾ ከም ዝሃደመ ይገልጽ።

ኣብ ሰነ 2020 ፍሉጥ ደራፋይ ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንደሳ ምስ ተቐትለ ኣንጻር መንግስቲ ዓቢይ ተቓውሞ ተላዒሉ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላትብውሕዱ 200 ዝኾኑ ተቐቲሎም ኣስታት 5000 ድማ ተኣሲሮም። ድሕሪኡ ፕረዚደንት ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳን ሓላፊ ብልጽግና ፓርቲ ኦሮሚያ ፈቃዱ ተሰማን ብዙሕ ኣኼባታት የካይዱ ከም ዝነበሩን ተኸታታሊ ቅትለታትን ማእሰርትን ከም ዝኣዘዙን ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፍና ዝብሉ ክልተ ሰባት ንሮይተርስ ሓቢሮም።

ቆረ ናገኛ ከም ጸላእቲ ንዝጠርጠሮም ምውጋድ ጥራይ ዘይኮነ ንሰልፊ ተቓውሞ`ውን ካብ ጽርግያ ምልጋስ ይሰርሕ`ዩ። ሽዱሽተ ዝኾኑ ሮይተርስ ዘዘራረቦም ደያኑን ዓቀብቲ ሕግን ኣብ 2019 እቲ ኮሚቴ ስግኣት ጸጥታ ዝበሎም ክኣስር ወይ ዝተኣስሩ ሰባት ማእሰርቶም ከናውሓሎም ጀሚሩ ኔሩ ይብሉ። ካብ 2019 ክሳብ 2022 እኳ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ብኸምኡ ኣገባብ ዝተኣሩ ከም ዘለዉ`ውን ኣሽማቶም ከይተረፈ መዝጊቦም ኣለዉ። እቶም ምንጭታት ቆረ ናገኛ ኣኼባ ጌሮም እከለ ክእሰር ኣለዎ ኢሎም ይወስኑ`ሞ ብዘይ መስርሕ ቤት ፍርዲ ከይዶም ይኣስርዎ ይብሉ ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት`ውን ኣብ 2021 ን281 እሱራት ቃለ-መጠይቕ ጌርሎም ኔሩ። ንሶም እቲ ኮሚቴ ሰላም ዝብል ትርጉም ዝሓዘ ቆረ ናገኛ ኣብ ሕጋዊ መስርሕ ኢዱ ብምእታው ምስ ዕጡቓት ጉጅለታት ርክብ ኣለኩም እናበለ ከም ዝኣስር ተዛሪቦም ኔሮም።

ብዛዕባ`ዚ ቆረ ናገኛ ዝተባህለ ምስጢራዊ ኮሚቴ ኦሮሚያን ዝተኸሰሰሉ ሚስጢራዊ ቅትለትን ምግፋዕን ካብ ሰበ-ስልጣን ፈደራል ኮነ ክልል፡ ሮይተርስ ምላሽ ክረክብ ከም ዘይከኣለ ኣስፊሩ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG