ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኤርትራ ሰለስተ ስጉምታት ንክወስድ ፍልይቲ ራፖርተር ሕ/ሃ ጸዊዔን


ሸይላ ኪቱሪት
ሸይላ ኪቱሪት

‘ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ውዕል ሰላም ምኽታሙ፣ ኣብ ኤርትራ ኩሎም ሰብኣዊ መሰላት ናብ ዝኽበረሉ መስርሕ ንክትኣቱ ባይታ ከጣጥሕ’ዩ ዝብል ተስፋ ከምዝሃበ ፍሉይ ራፖርተር ሕ/ሃ ገሊጸን።

ሸይላ ኪቱሪት ኣብ መግለጺኤን ‘ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 17 ዓመታት መንግስቲ ኤርትራ ነታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቑጽጽር ከምዘእተዋ፣ ህዝባዊ ክትዕን ሱታፌን ዓንቂፉ። ንኩነተ ኤርትራ ዝምልከት ክልተ መጻሕፍቲ ዝደረሰን ሚኒስትር ፋይናንስ ዝነበረን ኣብ ኣስመራ ትማሊ ሶኒ ከምዝተኣሰረ ፈሊጠ ኣለኹ። ሓቂ እንተኾይኑ ኤርትራ ካብደገ ትራኣየሉ ቁመና ኣብ ውሽጣ ዘይንጸባረቐላ ሃገር ከምዝኾነት ዝሕብር’ዩ ብሕልፊ ኣብ ዕቀባ መሰረታዊ መሰላትን ነጻነትን’ ኢለን።

‘ናጻ፣ ፍትሓዊን ዴሞክራሲያዊን ማሕበረ-ሰብ ኣብ ምህናጽ ሙሉእ ዘቤታዊ ለውጢ ኣገዳሲ’ዩ። መንግስቲ ኤርትራ ንሰለስቲ ስጉምቲታት ብቕጽበት ክወስድ ትጽቢት ይግበሮ’ እውን ይብላ።

ቀዳማይ፣ ኣባላት ቤተ ሰቦም ዝሞትዎም ኤርትራዊያን ዕጻ’ቶም ዝፈትዎም ክንገሮም ይግባእ።

ካልኣይ፣ ዘይተተግበረ ሕገ መንግስቲ ኤርትራ ንክትግበር።

ሳልሳይ፣ ኣይሰላም ኣይኹናት ምስ ኢትዮጵያ ስለዘብቀዐ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ዛጊድ ዘይተመልመሉ ኣይትምልመሉን ክብሎም፣ ነቶም ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘለው ድማ መደብ ምጥያሽ ከይደንጎየ ክሕብሮም ይግባእ ኢለን ኣለዋ ሸይላ ኪቱሪት።

XS
SM
MD
LG