ዋሽንግተን —
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳድር ማይክ ሃመር ካብ ትማሊ ረቡዕ 8 ግንቦት ክሳብ 19 ግንቦት ዝጸንሕ ዑደት ስራሕ ንምፍጻም ኬንያ ኣትዩ'ሎ። ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዑደት ስራሕ ከምዘካይድ ተፈሊጡ'ሎ። ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣምባሳድር ማይክ ሃመር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሰብ-መዚ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃዊን ብምርኻብ ኣብ ትግባረ ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ኣመልኪቱ ክዘራረብ’ዩ።
ኣምባሳድር ማይክ ሃመር ብዛዕባ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዘሎ ጎንጽታትን ንምዕራፎም ብዛዕባ ዝህሉ ተበግሶን’ውን ሓደ ካብ ኣጀንዳታት መንገሻኡ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ናብ ጂቡቲ ቀጺሉ’ውን ንጸጥታዊ ጉዳያት እቲ ዞባ ክዘራረብ ምዃኑ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ይጠቅስ።
ቅጥዒ