ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓሙሽተ ሰኔራት ኣሜሪካ ንፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፌልትማን ደብዳበ ፅሒፎም


ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡኽ ዩናይትድ ስቴትስ ጀፈሪ ፌልትማን ካብ ሎማዕንቲ 4 ግንቦት ክሳብ 13 ግንቦት 2021 ናብ ግብፂ፣ኤርትራ፣ኢትዮጵያን ሱዳንን ክጉዓዙ እዮም።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሓሙሽተ ሰኔተራት ዩናይትድ ስቴትስ ኣምባሳደር ጀፈሪ ፌልትመን ጉዕዙኦም ኣብ ኢትዮጵያ ምርግ ጋእ፣ተሓታትነትን ኩሉ ሓቆፍ ኣገባብ ንኸውን ንምትብባዕ ክጥቀምሉ ፀዊዖም።

ፍሉይ ልኡኽ ኣማባሳደር ጀፈሪ ፌልትማን ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ከምኡ እውን ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካ ክዘራረቡ ዮም።ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣካላትን ሰብኣዊ ትካላትን እውን ክዘራረቡ እዮም ኢሉ ኣሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ።

ናይቶም ፍሉይ ልኡኽ ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ጉዕዞ እቲ ነንባዕሉ ዝተኣሳሰረ ናይ ፖለቲካ፣ናይ ፀጥታን ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ብዘላቒ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ንምምራሕ ቅርቡነት ናይቲ ምምሕዳር ዘርኢ እዩ ይብል እቲ መግለፂ።ስለዝኾነ ድማ ነዚ ንምዕዋት ፖሊሲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብቲ ዞባ ከተሓባብሩ እዮም ይብል እቲ ናይ ኤምባሲ መግለፂ ብምውሳኽ።

ብዝተኣሳሰረ እቶም ፍሉይ ልኡኽ ናብ ቀርኒ ኣፍሪካ ቅድሚ ምጋሾም ሓሙሽተ ሰኔተራት ዩናይትድ ስቴት ንጀፈሪ ፌልትማን ኣብዝፀሓፉዎ መልእኽቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምርግጋእን ተሓታትነትን ንክረጋገፅ ከተባብዑን ኩሉ ሓቆፍ ኣገባብ ክኸውንን ፀዊዖም ኣለው።

ሰኔተር ቤን ካርዲን ካብ ሜሪላንድ፣ሰኔተር ቲም ኬይን ካብ ቨርጂኒያ፣ጃኪ ሮሰን ካብ ኔቫዳ፣ኮሪ ኤ ቡከር ካብ ኒው ጀርሲን ኤድ ማርኪ ካብ ማሳቹስተስን ኩሎም ሓሙሽቲኦም ኣባላት ዴሞክራቲክ ፓርቲ እዮም።

‘'ካብ መጀመሪያ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዝተፈጠረ ግጭት ኣብ ሰብኣውነትን ሰብኣዊ መሰላትን ዝወረዱ ሳዕቤናት ብዓሚቕ ተሻቒልና ኢና’’ ኢሎም እቶም ስኔተራት።

ካብዚ ብተወሳኺ 1.7 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ምምዝባሎምን 62,000 ድማ ናብ ሱዳን ክሃድሙ ከምዝተገደዱን 4.5 ሚሊዮን ሰባት ህፁፅ ረድኤት ከምዘድልዮምን ገሊፆም።

ብሓይልታት ፀጥታ ሰፊሕ ፆታዊ ዓመፅን ፆታ መሰረት ዝገበረ ህውከትን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ከበድቲ ሰብኣዊ መግሃስታት ምፍፃሞም ዝሕብሩ ብርክት ዝበሉ እሙናት ፀብፃባት ምውፅኦም እውን ወሲኾም ገሊፆም።

እቲ ደብዳበ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ክልል ዘይተደረት ሰብኣዊ ተበፃሕነት ክህሊ፣ወታደራት ኤርትራን ዘይመንግስታዊ ዝኾኑ ወታደራት ካብ ትግራይ ክወፁን መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ብነፃ ክምርመራ ክፈቕዱን ዘጥፍኡ ክሕተቱን ዝኣተውዎ መፅብዓ ከማልኡ ኩሎም ዲፕሎማሲያዊ መሳርሒታት ንኽትጥቀሙ ነተባብዐኩም ይብል።እዞም ስጉምትታት ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ዝመፀ ሓደጋ ዓፀቦ ንምግታእን ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ስቪላት ዝፍፀም ስልታዊ ሰብኣዊ መግሃስታት ጠጠው ንምባልን ኣዚዮም ኣገደስቲ ስጉምትታት እዮም ኢሎም።

እቶም ሰኔተራት ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ይኽሰቱ ዘለው ናይ ብሄር ሁከት ከምዘተሓሳሰቦም ገሊፆም።ካብ ናይ ትግራይ ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ 2021 ኣ\ፈ ብዝተፈጠረ ህውከት 655,000 ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ገሊፆም።

‘’እዚ ሃንደበታዊ ህውከት ንማሕበረሰባት ኣዕኒዩ እዩ’’ኢሎም እቶም ሰኔተራት።’’እዞም ናይ ዘይምርግጋእ ዝንባለታት ክንዓቑ የብሎምን፤ብፍላይ ድማ 5 ሰነ 2021 ኣ\ፈ ክካየድ ምስ ዝተተለመ ሃገራዊ ምርጫ ብምዝማድ....ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ እምነት ንምርካብ ዘኽእል ለውጢ ከይተገብረ እቲ ምርጫ ዝካየድ እንተኾይኑ፣ኣብ መላእ ሃገር እናወሰኸ ይኸይድ ዘሎ ብሄረሰባውን ፖለቲካውን ወጥርታት ናብ ዝብኣሰ ህውከት ክምዕብል እዩ’’ክብሉ ኣጠንቂቖም።

‘’ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ኣምሓራ፣ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ትግራይን ኣብ ካልኦት ክልላትን ዝተፈፀሙ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ብነፃ ክምርመር ትድግፉ ተስፋና እዩ።ከምኡ ኣብታ ሃገር ዝተረጋግአ፣ ዝተመጣጠነን ንኩሉ ተረባሒ ዝገብር ኩሎም ናይታ ሃገር ናይ ብሄርን ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ዘተኣኻኽብ መስርሕ ሃገራዊ ዝርርብ ክትደፍእሉ ክነተባብዕከም ንደሊ’’ኢሎም እቶም ሰኔተራት ንፌልትማን ኣብ ዝለኣኹዎ ደብዳብ።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ሰብኣውነትን ሰብኣዊ መሰላትን ካብ ዘጋጠመ ቅልውላው ብተወሳኺ ኣብ 2020 ኣ\ፈ ቅትል ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናይ ብሄር ህውከትን መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላትን እናወሰኽ መፂኡ እዩ።ንናይ ኦሮሞ ፖለቲካዊ ውድባት ብምድጋፎም ብዙሓት ተኣሲሮም ዋላ እውን ተቐቲሎም እዮም።ካብዚ ብተወሳኺ መንግስታዊ ዘይኮኑ ዕጡቓት ጉጅለታት ንተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራን ኣብ ካልኦት ከባቢታ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣናእሽቱ ናይ ብሄር ማሕበረሰባትተጨፍጪፎምንእዮም።በዚ ምኽኒያት ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ተኻይዱን ዝተወሰኑ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብቲ ዝቕፅል ምርጫ ንዘይምስታፍ ወሲኖም እዮም።

ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ኣገዳሲት መሻርኽቲ ዩናይትድ ስቴትስን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣገዳሲ ታራ ዘለዋን ሃገር እያ ኢሎም እቶም ሰኔተራት።ስለዝኾነ ድማ ንኢትዮጵያ ይጎድኡዋ ዘለው ቀንዲ ብድሆታት ምፍታሕ ረብሓ ኢትዮጵያ፣ዩናይትድ ስቴትስን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን እዩ ኢሎም።ጎኒ ንጎኒ ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጎረባብታን ንኣብነት ጉዳይ ግድብ ዓብይ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብሰላምን ብልዝብን ክፍታሕ ክነተባብዕ ኣለና ኢሎም።

እዞም ፈተናታት እዚኦም ዋላ ሓዲኦም እውን ብተናፀል ክፍትሑ ኣይኽእሉን፤ሕድ ሕድ ምጥንናጋት ናይዞም ቅልውላዋት ንምፍታሕ ኩሉ ዝተኣሳስር ስትራተጂ ኣድልይ እዩ ኢሎም ብምውሳኽ።

ኣብ ምወዳእታ እቶም ሰኔተራት እዞም ስትራተጂታት ከማዕብሉን ክፈፅሙን ንምሕጋዝ ቅሩባት ምዃኖምን፤ኣብ ኢትዮጵያን መላእ ቀርኒ ኣፍሪካን ሰብኣዊ መሰላት፣ዴሞክራስን ብልፅግናን ንስጓም ሓቢሮምዎም ከምዝሰርሑን ንፍሉይ ልኡኽ ጀፈሪ ፌልትማን ገሊፆምሎም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG