ሰበ ስልጣን ስፔን ኣብ ገማግም ደሴት ካናሪ 86 ስደተኛታት ትማሊ ሰኑይ ምድሓኖም ገሊጾም።
ኣገልግሎት ህይወት ኣድሕን ሓለዋ ባሕሪ ስፔን ካብ ሴኔጋል ዝተበገሳ ኣስታት 300 ሰባት ዝጸዓና ሰለስተ ጀላቡ ምጥፍኣን ስዒቡ ንፍተሻ ድሕሪ ምውፋሩ ነዞም ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮን 80 ደቂ ተባዕትዮን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ዝሓዘት ጀልባ ምርካቡ ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ዝሃቦ መግለፂ ዝሓበረ ኮይኑ እታ ጀልባ ሓንቲ ካብተን ዝጠፍኣ ምዃና ግን ከረጋገጽ ከምዘይከአለ ኣፍሊጡ'ሎ።
ሓለዋ ባሕሪ ስፔን ነቶም ስደተኛታት ናብ ወደብ ብምብፃሕ ናብ ቀይሕ መስቀል ምርካቦም ገሊጾም ኣለው።
ኣተሓባባሪት ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ስፔን ሄለና ማሌኖ ጋርዞን ኣብ መንጎ ደሴታት ካናሪን ምዕራብ ኣፍሪቃን ዘሎ ማያት ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ዝንቀሳቀሳ መራኽብ ስደተኛታት ንዝጸዓና መራኽብ ከማዕድው ተላብየን ኣለዋ። ንሰን ወሲኸን ብፍላይ እቲ ናብ ካናሪ ዝወስድ ሓደገኛ ማዕበል ዝበዝሖን ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ካብ ሞሮኮ፣ ምዕራባዊ ሰሃራ ወይውን ሞሪታንያ ዝመፃ ዝጉዓዛሉ ኮይነን ካብተን ንኣንፈት ደቡብ ርሒቀን ዝርከባ ከም ሃገራት ሴኔጋል ዝበላ'ውን ይጥቀማሉ እየን ኢለን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘይመንግስታዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኮሚናንዶ ዘውፀኦ ፀብፃብ ከምዘምልክቶ ኣብ ፍርቂ ዓመት 2023 ብጀልባ ናብ ደሴታት ካናሪ ክበፅሑ ዝፈተኑ 778 ሰባት ሞሟቶም ዝሓበረ ኾይኑ ብተመሳሳሊ ፀብፃብ ሕቡራት ሃገራት'ውን 126 ሰባት ሞይቶም ወይ'ውን ከምዝጠፍኡ ይሕብር። ስፔን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ንዝሐሸ ህይወት ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ንዝሰግሩ ስደተኛታት ወሳኒት መሰጋገሪት ኮይና ፀኒሓ እያ።
ቅጥዒ