ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ስጳኛ 114 ስደተኛታት ኣድሒኖም


ካብ ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ዝነቐሉ 114 ስደተኛታት ሒዛ ዝነበረት ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ጃልባ ካብቲ ኣንጸላልዩዋ ዝነበረ ሓደጋ ምጥሓል ብሓለዋ ባሕሪ ስፔን ምድሓና ሮይተርስ ሓቢሩ። እዛ ሓሙስ ምሸት ኣብ ግራን ካናሪያ ዝተባህለት ሓንቲ ካብተን እኩባት ደሴታት ካናሪ ዝዀነት ዝደሓነት ጃልባ፡ ካብቲ ገምገም ኣስታት ሽሞንት ማይላት ርሒቓ እንከላ ድሕሪ ምርኣያ’ዮም እቶም ሓለዋ ኣሰንዮም ናብ ውሑስ ቦታ ወሲዶማ።

ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ልዕሊ 30-ሽሕ ስደተኛታት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ናብተን እኩባት ወደባት ብምጽጋዕ ካብ ሓደጋ ምጥሓል ድሒሮም ምህላዎም መዛግብቲ ስፔን ይሕብሩ። ጠንቂ እቲ ዋሕዚ መንእሰያት፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብዝርአ ዘሎ፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ዝፈጠሮ፡ ስእነት ጸጥታን ሕሱም ቍጠባዊ ቅልውላውን ምዃኑ ይግለጽ።

እተን እኩባት ወደባት ካብ ኣፍሪቃ ኣስታት 100 ኪሎ ሜተር ወይ ድማ 60 ማይላት ጥራይ’የን ዝርሕቃ። ናብዘን ደሴታት፡ ብቐንዱ ካብ ሴነጋልን ካልኦት ምዕራብ ኣፍሪቃን ዝብገሱ ስደተኛታት ብዝሒ፡ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ብ111% ወሲኹ ኣሎ ጸብጻብ ሮይተስ ይገልጽ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG