ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ስጳኛ ንትሸዓተ መራሕቲ ካታላንያ ነበር ንማእሰርቲ ፈሪዱ


ቤት ፍርዲ ስጳኛ ንትሸዓተ መራሕቲ ካታላንያ ነበር ሎሚ ሓሙስ ንማእሰርቲ ፈሪዱ። እቶም መራሕቲ ንምንጻል ካታላንያ ካብ ስፔን ዝደፋፍኡ ምልዕዓል ተቓውሞን ናዕቢን ምጥፍፋእ ብዝብል ዝቐረበሎም ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ ከተማ ማድሪድ ምቅራቦም ይፍለጥ።

ድሒሩ እቲ ቤት ፍርዲ ንሓደ ካብ ተኸሰስቲ ብዋሕስ 58,300 ዶላር ክወጽእ ምውሳኑ’ውን ተገሊጹ።

ኣብ ስደት ዝርከብ መራሒ ካታላንያ ቻርለስ ፒዩጅደሞንት ካብቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ከተማ ማድሪድ ዝቐረቡ ኣይነበሩን። ዓቓብ ሕጊ ንዓለምለኸ ማእሰርቲ ፒዩጅደሞንት ዝእዝዝ ውሳነ ክሓልፍ እንተጸወዓ ፒዩጅደሞንት ምስ ኣርባዕተ ኣባላት ካቢነ ኣብ ብራስለስ ይርከቡ።

ሓደ ዳኛ ስፔን ንትሸዓተ መራሕቲ ካታላንያ ነበር ንማእሰርቲ ፈሪዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:43 0:00

ፒዩጅደሞንት ብፖለቲካ ዝተለዓለ እዩ ክብሉ ነቲ ክስታት ነጺጎሞ፡ ናብ ስፔን ዝምለሱ ድማ እቲ ሕጋዊ መስርሕ ዘይሻራዊን ፍትሃዊን ከምዝኸውን መረጋገጺ ምስ ዝረኽቡ ምኳኑ ሓቢሮም ኣለው።

ዓቐብቲ ሕጊ ስፔን ፒዩጅደሞንትን ምክትሎምን ዝርኸብዎም ኣብ ልዕሊ 14 መራሕቲ ካታላንያ ነበር ክሲ ምምስራቶም ይፍለጥ።

ማእከላይ መንግስቲ ካታላንያ ነቲ ኣብ ጥቕምቲ 1,2017 ዝተኻየደን ነጻነት እታ ክፍለ ግዝኣት ዝአወጀ ረፈረንደም ዝነጸገ ክኸውን ከሎ ካታሎንያዊያን ብወገኖም ኣብ መንጎ ነቲ ረፈረንደም ዝድግፉን ተቓወምቲ ወገናትን ኣብ ክልተ ተመቂላ ኣላ።

XS
SM
MD
LG