ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ዶብ ስፔን 138 ስደተኛታት ምድሓኑ ገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ሓለዋ ዶብ ስፔን 138 ስደተኛታት ካብ ጥቃ ደሴት ካነሪ ምድሓኑ ገሊጹ።

ኣገልግሎት ምድሓን ህይወት ዘካየደት መርከብ፣ ካብ ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ዝነቀሉ ሰባት ዘሳፈራ ሰለስተ ነኣሽቱ ጀላቡ ኣብ ጥቃ ደሴት ካነሪ ከምዝረኸበት እቲ ዜና ይጠቅስ።

ሓለዋ ዶብ ስፔን ካብ ሞንጎ’ቶም ስደተኛታት፣ 4 ደቂ ኣንስትዮን ሓንቲ ህጻንን ከምዝርከብዎም ምግላጾም ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቶም ስደተኛታት፣ ናብ ወደብ ፈርትቬንቹራን ጋራን ካነርያን ተወሲዶም አለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG