ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብወራር እንስሳታት መሮር እትሳቐ ኣውስትራሊያ ካብ ርሑቕ ንምቍጽጻር ዘኽእል ብልሓት ትፈጥር


ብወራር እንስሳታት መሮር እትሳቐ ኣውስትራሊያ ካብ ርሑቕ ንምቍጽጻር ዘኽእል ብልሓት ትፈጥር
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:12 0:00

ብወራር እንስሳታት መሮር እትሳቐ ኣውስትራሊያ ካብ ርሑቕ ንምቍጽጻር ዘኽእል ብልሓት ትፈጥር

ደቀባት ሓለዋ ኣከባቢ ኣውስትራሊያ፡ ንእንሳታት መሮር ካብ ህዋ ዝቆጻጸሩሉን ምንቅስቓሳቶም ዝከታተልሉን ኣገባብ ሰሪሖም ኣለዉ። እዚ ንመንኮርኮር “ስፓይስ ኤክስ” ብዝቀራረብ ስም “ስፓይስ ካውስ” ወይ ድማ ቀጥታዊ ትርጕሙ “ህዋ ከብቲ” ተሰይሙ ዘሎ መስርሕ፡ ነቶም ሓደገኛታት ዝብሃሉ ዕስለ እንስሳታት መሮር ካብ መንጎኦም መሕበሪ ታግ ብምእሳር፡ ብርሑቕ ከለዉ ምንቅስቓሳቶም ዝከታተል ኣገባብ’ዩ።

ተመራመርቲ ስነ-ህይወት፡ እንስሳ በረኻ ካብ ህዋ ምክትታሎም ንፈለማ ዝተገብረ ፈተነ ምዃኑ ይሕብሩ።

ኣብዑር በረኻ (ባፋሎ) ዝብሃሉ እንስሳታት ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘመን ንስጋን መጓዓዝያን ተባሂሎም ናብ ኣውስትራሊያ ምስ መጽኡ፡ ድሕሪኡ ቀልጢፎም ናብ በረኻታት ተፈንዮም፡ ቍጽሮም ኣዝዩ ስለ ዝበጽሐ፡ ንኣከባቢን ካልእ ልምዓታትን ከዕንዉ ልሙድ’ዩ። ዕስለ ኣብዑር በረኻ ንጽሩይ ወሓዝ ማይ ከንቅጹ፡ ጣሕሲሶም ብዝሓለፉዎ መንገዲ ድማ ኣከባቢያዊ ለውጢ ክግበሩ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝውቱር ተርእዮ ምዃኑ ይንገር።

በዚ ሓድሽ መቆጻጸሪ ቴክኖሎጂ እምበኣር ካብ መንጎ’ቶም ዕስለ ኣብዑር በረኻ፡ ካብ ሄሊኮፕተር ብዝትኰስ መደንዘዚ ይህረሙ’ሞ፡ ድሕሪኡ ኣብ ክሳዶም ወይ ካልእ ክፋል ኣካላቶም ንሳትላይት ሓበሬታ እትምግብ መቆጻጸሪት ትእሰርሎም። ተመራመርቲ በቲ ካብ ሳትላይት ዝመጽእ ሓበሬታ፡ ገና ብርሑቕ እንከለዉ ምንቅስቓሳቶም ክከታተሉዎን ምስኡ ዝኻየድ ግብረ-መልሲ ንኸዳልዉን የኽእሎም።

መብዛሕትኦም ዕስለ ኣብዑር በረኻ ኣብቲ ከባቢ ደቀባት ዓሌት ኣቦርጂንስ ዝርከቡዎ ኣከባቢ’ዮም ዝዛወሩ። ተመራመርቲ ድማ ምስቶም ደቀባት ብቐረባ ኣብ ምስራሕ ይርከቡ። ዕላማኦም በቶም እንስሳ ዘገዳም ንዝወርድ ተደጋጋሚ ዕንወት ንምውጋድን ምናልባት ድማ ናብ ረብሓ እቶም ደቀባት ዝውዕለሉ መንገዲ ንምንዳይን’ዩ።

እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ቴክኖሎጂ እምበኣር እቶም ኣብዑር በረኻ ካብቲ ዝፍጽሙዎ ተደጋጋሚ ምዕናው ባህላዊን ሃይማኖታዊን ስፍራታት ከድሕን ትጽቢት ይግበር። መብዛሕትኡ እቲ ቅዱስ ስፍራታት ልሙዕ ስለ ዝጸንሕ፡ እቶም ዕስለ ኣብዑር በረኻ ናብኡ ተሳሒቦም፡ ተደጋጋሚ ዕንወት ከውርዱ ጸኒሖም’ዮም። ሕጂ ግን እቶም ደቀባት፡ ገና ብርሑቕ እንከለዉ፡ ናብ ከምዚ ዝመስል ኣዝዩ ተኣፋፊ ቦታታት ክመጽኡ እንተዀይኖም ብርሑቕ ክከታተሉዎምን ዘድሊ ቅድመ-መጠንቀቕታ ክወስዱን’ዮም። እዞም እንስሳ በረኻ እቲ ቀንዲ ዕንወቶም ኣብ እዋን ደረቕ ክሊማ’ዩ ዝፍጸም። ማይ ንኽረኽቡ ነዊሕ ስለ ዝጓዓዙ ድማ ኣብ ዝኣተዉዎ ነቲ ኣከባቢ ምስ ኣተዉዎ ዝበዝሕ እዋን ኣዕንዮሞ ክኸዱ ጸኒሖም። ሕጂ ግን ሳላ’ዚ ናይ ርሑቕ መቆጻጸሪ ምንቅስቓሳቶም ብሽዑ ክፍለጥን ዘድሊ ምድላዋት ክግበርን ክከኣል’ዩ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ኣሽሓት ኣብዑር በረኻ ካብ ኣውስትራሊያ ናብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ናይ ምልኣኽ መስርሕ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ኣዝዩ ንኡስ ተናጸል ተበግሶ ግን ነቲ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ እንስሳታት መሮር ዝወርድ ኵሉ ኣከባቢያዊ ዕንወት ዝዓግት ኣይኰነን። እታ ሃገር ብኣብዑር በረኻ (ባፋሎ) ጥራይ ዘይኰነትስ ብኻልኦት እንስሳታት መሮር’ውን ወትሩ ምስ ተጠቕዐት’ያ።

ምስ መግዛእቲ ኤውሮጳውያን ተኣሳሲሩ፡ በብእዋኑ ናብ ኣውስትራሊያ ዝመጽኡ እንስሳታት ተደጋጋሚ ዕንወት ከውርዱ ጸኒሖም’ዮም። እቶም ኣብ ኣከባቢን መነባብሮ ህዝቢን ኣሰካፊ ዕንወት ዝውርዱ ግን ኣብዑር በረኻ ጥራይ ኣይኰኑን።

ኣብ 1930ታት ንምቍጽጻር ኣናጹ ተባሂሎም ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣተዉ እንቆርዖብ መሰል እንስስታት፡ ንደቀቕቲ እንሰሳታት ከም ለመምቲ ብምብላዕ ኣብ ኣከባቢ ምምዝባዕ ፈጢሮም ኣለዉ። ሓኽሊ ድሙ፡ ዓመታዊ ሚልዮናት ኣዕዋፍ ኣውስትራሊያ ይቐትላ። ኣግማል፡ ወኻሩን ሓሰማ በረኻ እታ ሃገር’ውን ቀጻሊ ኣከባቢያዊ ዕንወት ከም ዘስዕቡ ይሕበር። እቶም ዝኸፍኡ ምዃኖም ዝንገረሎም ግን ብጫ ዝዓይነቶም ጻጸ’ዮም። እቶም ብመራኽብ፡ ብኣጋጣሚ ናብታ ሃገር ከም ዝኣትዉ ዝንገሮም ብጫ ዝዓይነቶም ጻጸታት፡ ብዝተፍኡዎ ምራቕ ንሓያሎ ለመምቲ እንስሳታት ይቐትሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG