ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብራ ጠፈርተኛ ብኣንደበት ጠፈርተኛታት


ኢንዴቨር
ኢንዴቨር

ኣሜሪካውያን ጠፈርተኛታት ሸኖን ዎከር፣ዳፍ ዊሎክን ትሬስይ ኮልድዌል ዳይሰንን፣ኣብ‘ቲ ብዓለም-ለኸ ማእከል ህዋ ዝፍለጥ መደብር ንኣዋርሕ ተቀሚቮጦም‘ለው።

ዓለም-ለኸ ማእከል ህዋ፣ኣብ ሓደ እዋን ን6 ጠፈርተኛታት ከንብር ዝኽእል ተንቀሳቃሲ መንኮርኮር‘ዩ።እዛ መንኮርኩር‘ዚኣ ኣብ ሰዓት 28 ሽሕ ኪ/ሜትሮ እናተሓምበበት ንመርየት ኣብ መዓልቲ 16 ጊዜ ትዞራ።

እዚ ማለት፣ካብ መርየት ናብ ወርሒ ኣብ ሓደ መዓልቲ ከም‘ዚ በፂሕካ ምምላስ ማለት‘ዩ።


ኣብ ህዋ ኣብ ዝፀንሑሉ እዋን፣እቶም ጠፈርተኛታት ይመራመሩ፣ይምገቡን ይሰትዩን፣ይድቅሱ፣ኣካላዊ ምንቅስቃስ ይገብሩን ካብኡ ዝሓለፈ ድማ ብትዊተር ኣቢሎም መልእኽቲ ምስ ካልኦት ይቀባበሉ።ጠፈርተኛ ዳፍ ዊልኮክ፣ነቲ ካብ ሰማይ ኮይኑ ዘልዐሎም ኣሳእል ይልእኽ።ገሊኡ ደሴታት፣ኣብ ትሕቲ ደበና ዘንጠልጠለ ጠሊን ዝናብን፣ከተማ ኒውዮርክ ኣብ እዋን ለይቲ ዘለዋ ድሙቅ ብርሃንን ካልኦትን ዘጠቃለለ‘ዩ።

ጠፈርተኛ ትሬስይ ኮልድዌል ዳይሰን ብወገና፣ካብ ክንዲ‘ዚ ብራኸ ኮይንካ ቁልቁል ንመርየት ክትሪኣ ከለኻ ኣየ ክንደይ ምዕርግቲ‘ያ ትብል።

ዝሓለፈ ሚያዝያ ናብ‘ቲ ማእከል ምርምእ ዝተፀምበረት ኮልድዌል ዳይሰን ወሲኻ፣ኣብ መርየት ዘለው መሳርሕቶም ብዙሕ ሓገዝ ከምዝገብሩሎም‘ያ ትዛረብ።

ምስ ጠፈርተኛ ሸኖን ዎከር ዝሓለፈ ሰነ ኣብ‘ቲ ዓለም-ለኸ ማእከል ምርምር ዝበፅሐ ዊሎክ ብተርኡ፣ኣብ‘ዚ ወርሒ’ዚ ካብ መርየት ዝተላኣኸ ፅዕነት ስለዝበፅሖም ብዙሕ ከምዝተሓጎሰ ይዛረብ።

ኣብ ህዋ ኣብ ዝተቀመጡለን ኣዋርሕ፣ዝተወሰነ ርዝነት ከምዝከሰሩ ግና ጠፈርተኛ ኮልድዌል ዳይሰን ኣይከወለትን።ናሳ ብወገኑ፣ሳዕቤን ቀፃሊ ርዝነት ኣልቦነት ንሓይሊ ጭዋዳን ዓፅሚን ጠፈርተኛታት ንከዪሃስዮ መዓልታዊ ክልተ ጊዜ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ክገብሩ ኣለዎም ዝብል መምርሒ ኣለዎ።

ኣብ ህዋ ስሕበት-ግራቪቲ ስለዘየለ፣ዓፅሚ ንፆር ኣካል ናይ ምስካም ስራሕ ኣይፍፅምን‘ዩ።

ብተወሳኺ ስሕበት-ኣልቦነት/ላክ ኦፍ ግራቪቲ ማለት፣ጠፈርተኛታት ብእግሮም ኣይጓዓዙን ኣብ ክንድኡ እናተንሳፈፉ‘ዮም ካብ ሓደ ስፍራ ናብ ካልእ ስፍራ ዝንቀሳቀሱ ማለት‘ዩ።እዚ ማለት ድማ፣ቀጥ ኢሎም ዘይኮነስ እናተዓፃፀፉ ናብ ዝመረፀዎ ኣንፈት‘ዮም ዝኣትውን ዝወፁን ማለት‘ዩ።

ዊሎክ ብዛዕባ‘ዚ ክትዛረብ ከላ፣ክትሓስቦ ከለኻ ዘደናግር ይመስል።እታ ፀባባ መንኮርኩር ድማ ሰፋሕ ገዛ‘ዩ ዘምስላ በለት።

ድሕሪ ክልተ ሳምንት፣ሓደ ኣሜሪካዊን ክልተ ሩስያዊያንን ነቶም ተሰናበቲ ጠፈርተኛታት ንምትካእ ናብ ኣድማሳዊ-ማእከል-ምርምር ክብገሱ ተቀሪቦም‘ለው።

XS
SM
MD
LG