ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተፃባእቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን፣ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዝኸተምሉ ውዕል ሰላም፣ ሎሚ ሰሉስ ናብ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ደቡብ ሱዳን ከምዘቅርብ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣፍሊጡ


South Sudan Peace Agreement
South Sudan Peace Agreement

ምንስቲር ሓበሬታ’ታ ሃገር ማይክል ማኹይ፣ እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ሰነድ ገምጊሙ ናብ ዝምልከቶም ኮሚተታት ክልእኾን ዛዛሚ ውሳነ ክዋሃበሉን እዩ በለ። ደባይ ተዋጋእቲ ግና ነቲ ሰነድ ሎሚ ሰሉስ ክንቅበሎን ክነፅድቆን ኢና ኢሎም ኣለው።

እዚ መስርሕ’ዚ እንተተደናጉዩ ግና ንኢጋድ ንቀፉዎ ዝበሉ ወካሊ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ማይክል ማኹይ፣ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ንሙሉእ ሰነድ ቅድሚ ምፍራሙ፣ ኢጋድ ንገለ ገፃት’ቲ ገንፂልዎ’ዩ ይብሉ።

መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ክውስን’ዩ፣ ተጓቲቱ ዝባሃል እንተኾይኑ ድማ ኢጋድ’ዩ ክንቀፍ ዝግባእ ይብሉ ማኹይ።

XS
SM
MD
LG