ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ናብ ኡጋንዳ ዝሃደሙ ደቡብ ሱድናዊያን ብዕጽፊ ወሲኹ


ናይ ሕቡራት መንግስትታ ትካል ስደተኛታት/UNHCR/ ኣብቶም ዝሓለፉ 10 ማዕልታት ናብ ኡጋንዳ ዝሃደሙ ደቡብ ሱድናዊያን ብዕፅፊ ምውሳኹ ገሊጹ።

ቅድሚ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዓመፅትን ኣብ ጁባ ውግእ ካብ ዝካየድ ዝሃደሙ ልዕሊ 52 ሽሕ ምብፅሑን ድማ ሓቢሩ።

ብኻሊእ ዜና ኣብ ሕቡራት መንስግታት ምኽትል ዋናፀሓፊ ሰብኣዊ ጉዳያትን ኣዋሃዲ ህፁፅ ረድኤትን ስተፈን ኦ’ብሪያን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘካየድዎ ናይ ሰለስተ ማዕልታት ምብፃሕ ዛዚሞም።ኩሎም ወገናት ድሕነት ስቪላት ክሕልው ፀዊዕም ኣለው።

ህዝቢ እዛ ሃገር ብዙሕ ተሳቒዩ እዩ ዝበሉ ንሶም ብኣባላት ወታደራዊ ሓይልታት ከይተረፈ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ብዝተፈፀሙ ግፍዕታት ሓዚነ ኣለኹ፤ኩሎም ግፍዕታት ጠጠው ክብሉን ፈፀምቱ ድማ ክሕተቱን ህፁፅ ስጉምቲ ክውሰድ ይፅውዕ ኣለኹ ኢሎም።

ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ኣስታት 6.1 ሚሊዮን ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም፤1.6 ሚሊዮን ድማ ናይ ውሽጢ ተመዛበልቲ ኮይኖም ኣለው።ናብ ጎረባብቲ ሃገር ዝሃደሙ ኣስታት 900 ሽሕ በፂሑ’ሎ።

XS
SM
MD
LG