ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንደርቂን ሃሩርን ዝተቃለዐ ዞባ ራያ ጠሊን ራሕሲን ለቢሱ


Rain in Ethiopia
Rain in Ethiopia

ደቡባዊ ትግራይ ኣብ’ዚ እዋን ንሰሙናት ብዝዘለቀ ዝናብን ራሕሲን ተባሪኹ ከምዘሎን ሓረስቶት ዘራእቶም ከፍርየሎም ትስፉዋት ኮይኖም ከምዘለው ተፈሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ደቡባዊ ዞባ ትግራይ ኣቶ ገ/ሄር ኣረጋዊ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቅ ‘ኣብ ልዕሊ ሰባት ይኹን እንስሳ ዘቤት ዝወረደ ጉድኣት ይኹን ሞት የለን’ ኢሎም።

ኣል-ኚኖ ወይካኣ ኣብ ውቅያኖስ ዝተከሰተ ለውጢ ኩነታት ውዕይ ኣየር፣ ንዓለም-ለኸ ኣንፈት ንፋስ ስለዝቀልበሶ፣ ኣብ ምብራቃዊ ኣፍሪቃ ደርቂ፣ ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ድማ ከቢድ ዝናብን ውሕጅን ከምዘስዓበ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ 10.2 ሚልዮን ግዳያት ደርቂ ኮይኖም’ለው። ካብ’ቲ ብድርቂ ዝተሃሰየ ከባቢ ሓደ ድማ ደቡባዊ ዞባ ትግራይ ሓደ’ዩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:10:28 0:00

XS
SM
MD
LG