ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡባዊ ሶማል ብዝተኻየደ ስርሒት ሓሙሽተ አባላት ኣል ሸባብ ምቕታሎም ተሓቢሩ


ፋይል- ወታህደራት ኣሚሶም ኣብ ሶማል
ፋይል- ወታህደራት ኣሚሶም ኣብ ሶማል

ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሞቓድሾ ይካየድ ብዘሎ ስርሒት ፀጥታ ሓሙሽት ኣባላት ጉጅለ ግብረ ሽበራ ኣል-ሸባብ ከምዝተቐትሉ ወታደራዊ ሰበስልጣን ሶማል ሎሚ ሓሙስ ገሊፆም።

ከንቲባ ኣፍጎየ ዓብዲናሲር ዓሊም ኢብራሂም ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃል ሰራዊት ሶማል እቶም ናዕበኛታት ተሓቢኦምሉ ኣብዝነበሩ ናይ ሕርሻ ቦታ ብዝወሰድዎ መጥቓዕቲ ከምዝተቐትሉ ገሊፆም።

እቲ ስርሒት ኣካል ናይቲ ኣሚሶምን ሰራዊት ሶማልን ብሓባር ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ካብ ታሕታይ ሸበሌ ንምፅራግን ነቲ ከባቢ ንምቁፅፃርን ዝኸፈትዎ ሰፊሕ ወታደራዊ መጥቓዕቲ እዩ።

XS
SM
MD
LG