ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ውሕጅ ንኣስታት 34 ቀበሌታት የዕለቅልቕ


ፈለግ ኦሞ - ፋይል
ፈለግ ኦሞ - ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ኦሞ ወረዳ ዳሰነች ካብ ዝርከባ 40 ቀበሌታት እተን 34 ፈለግ ኦሞ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ብምምልኡ ዘስዓቦ ውሕጅ ከም ዘዕለቅለቃ ኣመሓዳሪ’ቲ ወረዳ ኣቶ ፍቅረማርያም ኣይመላ ኣፍሊጦም።

ኣቶ ፍቅረማርያም ኣይመላ እቲ ውሕጅ ኣብ ልዕሊ ንብረት ብመስኖ ዝለምዐ ኣእካልን ጉድኣት ከም ዘውረደ’ውን ብምሕባር ንዝተጎድኡ ሓገዝ ንምብፃሕ ፃዕሪ ይግበር’ሎ ኢሎም።

ኣተሓባባር ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት(ኦቻ) ኣብ ናይ ትማሊ ሪፖርቱ ወረዳ ዳሰነች ሓዊሱ በቲ ውሕጅ ዝተጠቅዑ ከባቢታት እኹል ሓገዝ ይቀርበሎም ከምዘየለ ገሊፁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG