ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ንኣስታት 132 ህንፃታት ኣዕንዩ


ኣብ ካሊፎንያ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ
ኣብ ካሊፎንያ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ

ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ን132 ህንፃታት ዘዕነወ ባርዕ ሓዊ ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ይቃለሱ ኣለው። ተንበይቲ ኩነታት ኣየር እቲ ሓያል ንፋስ እናጎደለ ክኸይድ እዩ ኢሎም ኣለው።

እቲ ባርዕ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ንጉሆ ቨንቹራ ካውንቲ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝጀመረ ኮይኑ ናብ 32 ትርብዒት ማይል ሰፊሑ ከምዝሰፍሐን ክሳብ ትማሊ ሓሙስ ምሸት ድማ 5 ሚእታዊት ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ ኣሎ።

ብውሑዱ ተወሰኽቲ 88 ህንፃታት እውን ዓንዮም ኣለው። ሎሚ ዓርቢ ንጉሆ ኣስታት 10,000 ነበርቲ ካብቲ ቦታ ክወፁ ተኣዚዞም ኣለው። እቲ ባርዕ ኣብ ከባቢ ካማሪሎ ንኣስታት 3,500 ህንፃታት ስግኣት ምዃኑ ቀፂሉ ኣሎ። ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ 10 ሰባት ጉድኣት ከምዘጋጠመን ጠንቂ እቲ ባርዕ ብምፍላጥ ይሰርሕ ከምዘሎ ሰብ መዚ ሓቢሮም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG