ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራት ንእሱራት ብምፍታሕ ንምፅባብ ኣብያተ ማእሰርተን ይፍኩሳ ከምዘለዋ ተፈሊጡ


wait for prisoners to be released from Insein Prison in Yangon
wait for prisoners to be released from Insein Prison in Yangon

ሃገራት ደቡብ ምብራቕ ኢሲያ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል እሱራት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲይፈፍትሓ ከምዘለዋ ተፈሊጡ።ብኻሊእ ዜና ሃገራት

ምንቅስቓሳት ሰባት ንምድራት ዝወሰድኦም ስጉምትታት ቀልጢፈን ብምፍኳስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዳግም ክደግስ ክገብራ ይኽእላ እየን ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።

ኣብ ዙሪያ ዓለም ሃገራት ብእሱራት ካብ ዝተፃበቡ ኣብያት ማእሰርቲ ንእሱራት ምፍትሐን ቀፂለን ኣለዋ።ዝለዓለ በዝሒ እሱራት ከምዘለወን ዝእመና ሃገራት ደቡብ ምብራቕ ኢሲያ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ይወስዳ ኣለዋ።ለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻል።

እሱራት ብበዝሒ ኣብ ዝርከቡለንን ዝተፃበቡለንን ሃገራት ምፍታሕ እሱራት ግዜ ዝውሃቦ ኣይኮነን ይብሉ ተሓለቕቲ መሰላትን ክኢላታት ጥዕናን።

ኣብ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት /Human Rights Watch/ ናይ ኢሲያ ምኽትል ዳይረክተር ፊል ሮበርትሰን ኣብዞም ኣብያተ ማእሰርቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እንተተላዒሉ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ምክንያቱ ከምዚ ንዝበለ ሕሙም ንምሕብሓብ ድልዋት ኣይኮኑን ይብሉ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሺነር ሰብኣዊ መሰላት ሚሸል ባቸለት ሃገራት ንቶም ኣዚዮም ንሓደጋ ዝተቓልዑ፣ዝሓመሙን ብዕድመ ዝደፍኡን ክፈትሓ ፀዊዖም ኣለው።ናይ ማእሰርቲ እዋኖም ይዛዝሙ ዘለውን ብቀሊል ገበን ዝተፈርዶምን እውን ኣብ ግምት ክኣትው ይፅውዑ።

መፈናተቲ፣ፅርየት፣መሕፀቢ፣እኹል ዝስተ ማይ ኣብዘይብሎም ኣብያተ ማእሰርት ኣብ ወፃኢ ካብ ዘሎ ኩነታት ጥዕና ሰባት ብሕማም ናይ ምትሓዝ ዕድሎም ዝለዓለ እዩ፤ምስተልዓለ ክትቆፃፀሮ እውን ከቢድ እዩ ይብሉ ኣብ ዞባ ኢሲያ ፓሲፉክ ናይ ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣማኻሪ ጥዕና ኣብያተ ማእሰርቲ ዶክተር ዛይድ ቶም።

ንናይ መተንፈሲ ስርዓት ዝጎድኡ ከም ሕማም ዓባይ ስዓልን ካልኦት ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ካብ ኣብቲ ማሕበረሰብ ብዝገደደ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብ100 ግዜ ዝበዝሕ ኣብቶም ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዘሎ ወሲኾም ገሎፆም ቶም።

‘’ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኮቪድ ማዕረ ክንደይ ክጋፋሕ ከምዝኽእል ክሓስቦ እውን የጨንቐኒ እዩ’’ ይብሉ ብምውሳኽ።

ካብ ኮሎምቢያ ክሳብ ህንዲን ዩናይትድ ስቴትስን ኣብ

ዙሪያ ዓለም ሃገራት በዝሒ እሱራት ኣብ ኣብያተ ማእሰርተን ንምፍኳስ ንእሱራት ምፍታሕ ጀሚረን ኣለዋ።

ኢንዶነዝያ ን30,000 ተሃንተፅቲ ምፍታሕ ጀሚራ ኣላ።ታይላንድ እውን እሱራት ምፍትሓ ብዕፅፊ ወሲኻ ኣላ።መይንማር እውን ካብ ዘለውዋ እሱራት ንቶም ርብዒ ዝኾኑ ንኣስታት 25,000 እሱራት ዝሓለፈ ዓርቢ ምፍታሕ ጀሚራ ኣላ።

ኢንዶኖዥያ ኣብ ዓለም ዝተፃበበን ካብ ዓቕማ ንላዕሊ 200 ፐርሰንት እሱራት ዘለዋ ሃ ገር እያ ብመሰረት ኣብ ብሪታኒያ ዝመደብሩ ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ምርመር ገበንን ፍትሕን።መይንማር 139ፐርሰንት ታይላንድ ድማ 145 ፐርሰት ካብ ዓቕመን ንላዕሊ እሱራት ኣለወን።

ገለ ሃገራት ናይቲ ዞባ ዝተፃበበ ኣብያተ ማእሰርተን ምፍኳስ ከይኮነስ ናይ ምዕፃው ኣዋጅ ንዝጠሓሱ ኣሽሓት ብምእሳር ንኣብያተ ማእሰርተን የፃብባ ኣለዋ።ኣብያተ ማሰርታ ካብ ዓቐን ንላዕሊ 142ፐርሰት ዝተዳጎኑዎ ማለዥያ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ቀረባ ኣሲራ ኣላ።

ብኻሊእ ዜና ሃገራት ዝኣወጅኦ እገዳ ምፍኳስ እንተድኣ ጀሚረን እቲ ለበዳ ክደግስ ይኽእል እዩ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።

‘’ሕዚ እዋኑ ናይ ምፍኳስ ግዜ ኣይኮነን።ኣብ ክንድኡ ክሳብ ሓዲኡ ዘፍልጥ ንርእስና ንሓዱሽ ናይ ኣነባብራ ስርዓት ክነዳሉ ይግባእ’’ ኢሎም ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዞባዊ ዳይረክተር ምዕራባዊ ፓሲፊክ ዶክተር ታከሺ ከሳይ ብኦንላይን ኣብዝ ሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ።

እዚ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ዝመፅእ ዘሎ መንግስታት ኣብ ዙሪያ ዓለም ንምፍስሕፋሕ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝተወስዱ እገዳታት ንምፍዃስ ይሓስቡ ኣብዘለውሉ እዋን እዩ።

ቀዳማይ ምንስቴር ጣሊያን ጁሰፔ ኮንቴ መንግስቶም ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ትልሙ ዕላዊ ከምዝገብር ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝፀሓፉዎ መልእኽቲ ገሊፆም።ደረጃ ብደረጃን ዘላቒ ዝኾነን ምኽፋት 4 ግንቦት ግብራዊ ከምዝኸውን ምትንባይ ይክኣል እዩ ኢሎም።

ፓርላማ ብሪታኒያ እውን ደረጃ ብደረጃ ናብ ስራሕ ናይ ምምላስ ኣገባብ ይኽተል ኣሎ።ኣባላት ፓርላማ ንመስርሕ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ብምኽታል ሎማዕንቲ ሰሉስ ክእከቡ ትፅቢት ኣሎ።650 ኣባላት ዘለዎ ሃውስ ኦፍ ኮመን 50 ኣባላት ጥራሕ ክእከቡ እዮም።እቶም ዝተረፉ ብቪዲዮኮንቨረንስ ክሳተፉ እዮም።

ደቡብ ኮሪያ ናብ ስሩዕ ናብራ ትምለስ ኣላ።ናይታ ሃገር ፕሮፈሽናል ቤዝቦል ሊግ ዳግም ክጅምር እዩ።ክልተ ጋንታታት ብዘይካ ደጋፍትን ተመልካትን ኣብ ሱል ተፃዊቶም ኣለው።

ተወሰኽቲ ናይ ድሕነት ስጉምትታት ብምውሳድ ተፃወቲ ቅድሚ ሕድ ሕድ ግጥም ክልተ ግዜ መጠን ምቐት ነብሶም ይልካዕ፤ብኣየር ሰላምታ ምልውዋጥ እምበር ብኢድ ኣይጨበባጡን።

XS
SM
MD
LG