ዋሽንግተን —
ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ’ታ ሃገር ብሕቡእ ወታሃደራዊ ስልጠና ይወስዱ ነይሮም ንዝበሎም 95 ሊብያዊያን ከምዝኣሰረ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ እቲ መደብር ታዕሊም ካብ ጆሃንስበርግ ኣብ 360 ኪ/ሜርሕቀት ይዋሃብ ከምዝነበረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ’ታ ሃገር ኣትለንዳ ማቲ እቶም ሊብያዊያን ብናይ ተማሃራይ ቪዛ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝኣተው ምሕባሮምን፣ ድሒሩ ዝተገብረ መርመራ ግና ኣብ’ቲ መዓስከር ወትሃደራዊ ታዕሊም ከምዝረኸቡ ሓቢሩ ይብል።
ቅጥዒ