ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሽሓት ደቡብ ሱዳናዊያን ካብ ካርቱም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዘይኽኣሉ ተገሊፁ


ኣብ ሰሜን ዝርከቡ ኣሽሓት ደቡብ ሱዳናዊያን ዝተረስዑን ንመጥቓዕቲ ዝተቓልዑን ገይሮም ንባዕሎም ይርኡ

ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ፅባሕ ቀዳም ሃገር ንምዃን ኣብ እትቀራረበሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሰሜን ዝርከቡ ኣሽሓት ደቡብ ሱዳናዊያን ዝተረስዑን ንመጥቓዕቲ ዝተቓልዑን ገይሮም ንባዕሎም ከምዝሪኡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝመደብሩ Refugee International ዓለምለኻዊ ስደተኛታት ዝተብሃለ ንስደተኛታት ዝሕለቕ ትካል ሎማዕንቲ ገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 17 ሽሕ ደቡብ ሱዳናዊያን ናብ ደቡብ ሱዳን ገፆም ንምኻድ ካርቱም ኣብዝርከቡ ኣብ 19 መተኣኻኸቢ ነቑጣታት ተኣኪቦም መጎዓዝያ እናተፀበዩ ይርከቡ።ኣብዘኦም ናይ መተኣኻኸቢ ነቑጣታት ዘሎ ኩነታት ፀጥታ እናሓመቐ ይኸይድ ኣሎ።ብፖሊስን ነበርቲ እቲ ከባብን ዝበፅሖም ምንክልባት’ውን እናዓብየ ከምዝኾነ ፀብፃባት ይሕብሩ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንቶም ናብ ደቡብ ሱዳን ንምምላስ ዝደልዩ ሰባት ዘድልዮም ህፁፅ መጎዓዝያ ንምቕራብ ምስ ሰብኣዊያን ትካላት ንኽሰርሕ’ውን እቲ ትካል ይፅውዕ።

ኣብቲ ትካል ዳይረክተር ዞባዊ ፕሮግራም ዝኾና ኣንድሪያ ላሪ ኣሽሓት ኣብ ካርቱም ተቐርቂሮም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ክህልዉ ተቐባልነት የብሉን ይብላ።

ብምቕፃል ’’ፅሩይ ማይ፡መናፅሂ ወይ’ውን ካልኦት መሰረታዊ ዝኾኑ ቀረባት ኣብዘይብሉ ኩነታት ይርከቡ’’ይብላ።

ኣባላት ጉጅለ ዓለምለኻዊ ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ነቲ ነቑጣ ኣብዝ ዝተዓዘብሉ ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ከምዝነበሩን ዝነበርሉ ኩነታት ድማ ኣዝዩ ሕማቕ ከምዝነበረን ኣብዚ ሕዚ ድማ እቲ በዝሒ ሰብ ብሰለስተ ዕፅፊ ዓብዩ ምርካቡ ኣዝዩ ዝተሓሳስብ እዩ ኢለን ኣንድሪ ላሪ።

ብተወሳኺ እውን ናብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ዘጎዓዕዛ ባቡራት ኣብ ሰሜን ብዕጡቓት ምልሻ መጥቓዕቲ ክፍፀመን ፀኒሑ’ሎ።ደሕንነት እቶም ተመለስቲ ንምርግጋፅ መንግስቲ ሱዳን ንተን ኮንቨያት ሓለዋ ንኽገብረለን ዓለምለኻዊ ስደተኛታት ፀዊዑ’ሎ።

XS
SM
MD
LG