ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ሪያክ ማቻር ስልጣኖም ንምርካብ ናብ ደቡብ ሱዳን ክምለሱ የብሎምን" ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ


ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ደቡብ ሱዳን ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ፈላማይ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ሪያክ ማቻር ስልጣኖም ንምርካብ ናብ ደቡብ ሱዳን ከይምለሱ ንዘቐረብዎ መጠንቀቕታ ነጺጎሞ።

ናይ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣምባሳደር ዶናል ቡዝ ትማሊ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ንኡስ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ቀሪቦም ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣብታ ሃገር ብምኽንያት ዘሎ ዘይምርግጋእ ኣብ ወርሒ ሓምለ ካብታ ሃገር ዝሃደሙ ሪያክ ማቻር ክምለሱ የብሎምን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG