ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ደቡብ ሱዳን: ብሰላምን ህድኣትን ትቕፅል ኣላ " ቀዳማይ ም/ፕሬዝዳንት ታባን ደንግ


ሓድሽ ቀዳማይ ምኽትል ፕሬዝዳንት ደቡብ ሱዳን ታባን ደንግ ጋይ ሃገሮም ድሕሪ ኣብ ቀረባ እዋና ኣብ ዋና ከተማ ዝተፈጥረ ግጭት ብሰላምን ህድኣትን ትቕፅል ኣላ ኢሎም።

ምስ ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ንምዝርራብ ኣብ ናይሮቢ ዝርከቡ ደንግ ሎማዕንቲ ረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ጁባን ካልኦት ከባቢታትን ውግእ ከምዝቐፀለ ናይ ሓሶት ፀብፃቡ የቕርቡ ኣለው ክብሉ ንጋዜጠኛታት ኸሲሶም። ከምኡ ዝበለ ፀብፃብ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ኢሎም።

ሪያክ ማቻር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዋና ከተማ ውግእ ተወሊዑ ካብ ጁባ ምስ ወፁ ደንግ ምኽትል ፕሬዝዳንት ብምዃን ተተኪኦም፤ገለ ኣባላት ተቓዋሚ ግን ዘይሕጋዊ ኢሎም ኣለው።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG