ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ንማቻር ብምትካእ ንዝተሾመ ኣፍልጦ ከይህቦ" ኣፈኛ መቻር


ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ነበር ሪያክ መቻር
ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ነበር ሪያክ መቻር

ወሃቢቓል ሪያክ መቻር፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ንማቻር ብምትካእ ዝተሾመ ታባን ደንግ፡ ኣፍልጦ ከይህቦን ምስኡ ዝኾነ ልዝብ ከይግበርን ጸዊዑ።

ፕረሲደንት ሳልቫ-ኪር፡ ንመራሒ ተቓወምቲ ሪያክ ማቻር ዝትክእ ሰብ ክሸይም ብምውሳኑ እቲ ውዕል ሰላም ፈሪሱ`ዩ ኢሉ ወሃቢ ቓል ማቻር ጀምስ ዳክ። ምኽትል ፕረሲደንት ክኸውን ዝተሾመ ታባን ደንግ፡ ኣብ እዋን ዘተ-ሰላም ደቡብ ሱዳን፡ ዋና ተላዛባይ ጉጅለ ማቻር ዝነበረ`ዩ።

ነዚ ሽመት ዝቃወም ዘሎ ወሃቢ-ቓል ማቻር፡ ኣብ ኩናት ኢና ዘለና ይብል። “ኣስዒቡ ኣብ ከባቢ ጁባ ኩናት ይቕጽል ኣሎ፡ ፕረሲደንት ሳልቫ ኪር ምቁራጽ ተኹሲ ጥሒሱ፡ ሓይልታቱ የጥቅዑና`ለዉ፡ ስለዚ ስምምዕ ሰላም ዝብሃል ይለን ኢሉ።

ሰራዊት ሳልሳይ ኣካል ናብ ጁባ ክኣቱን ኩነታት ከረጋግእን`ውን ይጽውዕ እዚ ወሃቢ ቓል ማቻር። ኣተሓሒዙ፡ ከምኡ ከይኮነ ምስ ዝተርፍ ግን፡ ሰራዊትና ናብ ጁባ ክነንቀሳቕስን ንኽተማ ጁባ ክነቆጻጸራን ክንግደድ ኢና ክብል ኣፈራሪሑ`ሎ።

ንሓጺር ግዜ ምኽትል ፕረሲደንት ኮይኑ ዝነበረ መራሒ ተቓወምቲ ሪያክ ማቻር፡ ኣበይ ከምዘሎ ኣይፍለጥን፡ ብ8ተ ሓምለ ኣብ ፕረሲደንታዊ ህንጻ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስሃበ፡ ድሕሪኡ ተራእዩ ኣይፈልጥን።

ሕጂ ንማቻር ብምትካእ ምኽትል ፕረሲደንት ተሰይሙ ዘሎ፡ ታባን ደንግ፡ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ተቓወምቲ ዝተገብረ ለውጢ ምኽትል ፕረሲደንት ንሕቡራት ሃገራት ክገልጽ ኣብ ቀረባ ሓደ ልኡኽ ሒዙ ናብ ኒው ዮርክ ክገይሽ`ዩ ይብል ካልኣይ ምኽትል ፕረሲደንት ጃምስ ዋኒ ኢጋ።

ብኻልእ ወገን፡ ፕረሲደንት ሳልቫ ኪር ኣብ ጁባ ዝርከቡ ሰበስ-ልጣን ተቓወምቲ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ኢጋድ ክራኸቡን ብዛዕባ ምትካእ ማቻር ዘሎ ምጥርጣራት ክኣልዩ ኣተባቢዑ`ሎ ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሪያክ ማቻር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ሰራዊቱ ንጁባ ክቆጻጸሩ ድልዋት ከምዘለዉ ተዛሪቡ ኔሩ። ደገፍቲ ሳልቫ ኪር ድማ እዚ ኩናት ምጽዋዕ`ዩ ክብሉ ነቒፎም።

ብኻልእ ወገን ካብ ወገን ሪያክ ማቻር ኾይኑ ምንስተር ሕርሻን ሃብቲ ተፈጥሮን ደቡብ ሱዳን ዝነበረ ላማ ኮል ሎሚ ስላጣኑ ኣረኪቡ`ሎ። ዝሃቦ ምኽንያት፡ ኣብ ፕረሲደንት ሳልቫ ኪር ነቲ ውዕል ሰላም ሓኺኾሞ`ዮም፡ ዝትግበር ውዕል ሰላም የለን ዝብል`ዩ።

ላማ ኮል: "ስምምዕ ሰላም ንኽትግብር`የ ኣብኡ ኔረ። እቲ ፕረሲደንት ነቲ ስምምዕ ስለ ዘፍረሶ ግን ኣብኡ ዘጽንሕ ምኽንያት የቢለይን። ምኽትል ፕረሲደንት ካብ ጁባ ተባሪሮም፡ መሓውራት ጸጥታ ኣይተተኽሉን፡ ስለዚ ፖሊቲካዊ መስርሕ ኣብቂዑ`ዩ ማለት`ዩ " ኢሉ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ተቐናቐንቲ ደቡብ-ሱዳን፡ ኩናት ሕድሕድ ጠጠው ኣቢሎም ናብ ልዝም-ሰላም ክምለሱ ይጽውዕ`ሎ። ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ `ውን ነዚ ዳሕራዋይ ግጭት ኮኒንዎ`ሎ።

XS
SM
MD
LG